Friday , May 3 2024

ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ተወሳኺ ጸረ ኮሮና ክታበት ንምርካብ ዝርርብ ጀሚሩ

ኤውሮፓዊ ኮሚሽን፡ ካብቲ ኣዚዝዎ ዝነበረ 160 ሚልዮን ብልቃጥ ጸረ ኮሮና ክታበት፡ ናይ 150 ሚልዮን ተወሳኺ ብልቃጥ ክታበት ንምግዛእ ምስ ኩባንያ ሞደርና ዝርርብ ከምዝጀምረ ኣፍሊጡ ክብሉ ኣብ ብራስለስ ዝርከቡ ሰበስልጣን ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሮም።

እቲ ዝዝረበሉ ዘሎ ጸረ ኮሮና ክታበት፡ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ንኽንርከቦ ተስፋ ንገብር ክብል እቲ ኮሚሽን ሓቢሩ።

ኤውሮፓዊ ኮርሚሽን፡ ካብ ሽዱሽተ ዝተፈላለዩ ኩባንያታት፡ ኣስታት 2.3 ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት ጠሊቡ እኳ እንተሃለወ፡ ኣብ እዋኑ ናይ ምብጻሕ ተኽእሎታቱ ግን ኣሰካፊ ኮይኑ ከምዘሎ ገሊጹ።

ተወሰኽቲ ብልቃጥ ክታበት ንምርካብ፡ ኤውሮፓዊ ኮሚሽን፡ ምስ ኩባንያ ኣስትራ ዚኒካ፡ ንመስርሕ ምርኽኻብ ናይቲ ካብ ኤውሮፓ ወጻኢ ዝፈርይ ክታበት ብዝልከት፡ ዝርርብ ጀሚሩ ኣሎ።

ኤውሮፓዊ ኮሚሽን፡ ካብቲ ብኤውሮዊ ኤጀንሲ መድሃኒት ጌና ተቐባልነት ዘይረኸበ ዘሎ ፍርያት ኩባንያ ኖቫቫክስ ዝኾነ፡ ናይ 200 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ውዕል ክኽትም ትጽቢት ይግበር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com