Friday , May 3 2024
a tourist takes photos of the Parliament in Syntagma square in central Athens. (AP Photo/Petros Karadjias, File)

ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ንሓባራዊ ናይ ክታበት ፓስፖርት ተቐቢልዎ

ባይቶ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ንሓባራዊ ናይ ክታበት ፓስፖርት ብወግዒ ከምተቐበሎ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እዚ ናይ ክታበት ፓስፖርት፡ ኣብ እዋን ለበዳ፡ ኣብ ውሽጢ ኤውሮፓዊ ሕብረት ንዝንቀሳቐሱ ገያሾ ዝጥቀምሉ ኮይኑ፡ እቲ ነዚ ፓስፖርት ዝሓዘ ሰብ፡ ክታበት ከምዝወሰደ፡ ኣሉታዊ ውጽኢት መርመራ ኮሮና ዘለዎ ወይ ድማ ካብ ሕማም ኮቪድ ዝሓወየ ምዃኑ ዝሕብር እዩ።

ናይ ክታበት ፓስፖርት፡ ንወነንቱ ብዘይ ጸገም ንኽገሹ ዝሕግዝ ኮይኑ፡ ኣብቲ ዝካየድ መስርሕ ምልዓል ቀይድታት ድማ ተራ ዝጻወት ባእታ ክኸውን እዩ ክብል ባይቶ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ናይ ክታበት ፓስፖርት፡ ካብ 1 ሓምለ ኣብ ስራሕ ዝውዕል ኮይኑ፡ ናይ 12 ኣዋርሕ ዕድመ ዘለዎ ክኸውን እዩ።

 

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com