Thursday , May 2 2024
Flag of the European Union waving in the wind on flagpole against the sky with clouds on sunny day, banner, close-up

ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ንጉዳያት ሕቶ ዑቕባ ስደተኛታት ጽገናዊ ለውጢ ይገብር’ ዶ ይኸውን

ካብ ባሕቲ ሓምለ ጀሚራ ጀርመን፡ ተረኛ ፕረዚደንት ኣውሮፓዊ ሕብረት ክትከውን እያ። ንጉዳያት ሕቶ ዑቑባ ስደተኛታት ዝምልከት ጽገናዊ ለውጢ ምትእትታው ሓደ ካብቶም ንዝመጽእ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝኽሰቱ ዓበይቲ ብድሆታት ክኸውን  ምዃኑ ርዱእ ኮይኑ ጀርመን ንመሻርኽታ ዝኾና ኣባላት ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝኾና ሃገራት፡ ስደተኛታት ኣብ ምምቓል ተረአን ክጻወታ ተእምነንዶ ትኸውን ዝብል ሕቶ ክለዓል ናይ ግድን እዩ።

ቁጽሪ ናይቶም ካብ ኲናትን ማእሰርትን ዝሃድሙ ሰባት ካብ ትጽቢት ወጻኢ ወሲኹ ናብ 80 ሚልዮን ገጹ ተገማጊሙ ከም ዘሎ ይፍለጥ። እዚ ድማ 1% ካብ ጠቕላላ ህዝቢ ዓለም ወይ ድማ ክንዲ ብዝሒ ህዝቢ ጀርመን ምዃኑ እዩ።

ምሉእ ቁጽሪ ናይዞም ስደተኛታት ናብ ሃገራት ኣውሮፓ ክኣትዉ ዝደልዩ እዮም ክበሃል ኣይከኣልን። ይኹን እምበር ንኣውሮጳ ከቢድ ብድሆ ከጋጥማ ከምዝኽእል ኣይከሓድን። ስለዚ ድማ ኣውሮፓ ነዚ ዘይተርፋ ብድሆ ብኸመይ ክትገጥሞ ከም ዘለዋ ክትመኽረሉን ክትቅረበሉን ዘለዋ ጉዳይ ኮይኑ’ሎ።

ናይ ኤውሮፓዊ ሕብረት ሕግታት ሕቶ ዑቕባ ስደተኛታት ንጹር እዩ። ብመሰረት ውዕል ዳብሊን ብዛዕባ ሕቶ ዑቕባ ሓላፍነት እትወስድ እታ ፈለማ ሓታቲ ዑቕባ ዝኣተወላ መንግስቲ እያ።

ብጂኦግራፍያዊ ምኽንያት፡ ግሪኽን ጣልያንን ስደተኛታት ፈለማ ዝዓልቡለን መንግስታት እየን። ካብ 2015 ከምኡ’ውን 2016 ንደሓር ገዚፍ ማዕበል ስደተኛታት ከም እተራየን ውዕል ዳብሊን ክንዲቲ ዝግባእ ስሉጥ ዘይምዃኑ ከም እተራእየን ተገሊጹ።

ኣፈኛ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ጀርመን ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ “ህሉው ስርዓተ ሕቶ ዑቕባ ዘይግቡእን እናመረጽካ ዝግበር ጽገና ዘይግበረሉን እዩ ኮይኑ ዘሎ። ስለዚ ድማ ሓቀኛ ናይ ጽገና ስራሕ ከድልየና እዩ” ኢላ።

እታ ዝበዝሑ ስደተኛታት እትወስድ ጀርመን ሕጊ ሓተቲ ዑቕባ ጽገና ክግበረሉ ኣለዎ ብምባል ክትጣበቕ ምጽንሓ ዝፍለጥ እዩ። ቀንዲ ዕላማ እዚ ጽገና ሃገራት ኣውሮጳ ብምዕሩይ ኣገባብ ስደተኛታት ንኽመቓርሓ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ኮሚሽን ኣውሮጳ ኣብ ክረምቲ ናይ 2016 ሓደ ፓኬጅ ጽገና ኣተኣታትዩ ኔሩ እዩ። እንተኾነ ግን፡ ገለ ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ክማቐላ ዘይደልያ ከም በዓል ፖላንድ፡ ሃንጋሪ፡ ቼክ ሪፓብሊክን ስሎቫክያን ዝኣመሰላ ሃገራት ስለ እተቓወማኦ ከም ዝፈሸለ ይዝከር።

ተረኛ ፕረዚደንት ዝኾነት ጀርመን ነዚ ስልጣና ብምጥቃም ኩለን ኣባላት ሃገራት ኣውሮፓ ፍልይ ዝበለ ሓላፍነት ከርእያ ጻውዒት ክትገብር ከድልያ እዩ ክትብል ፕረዚደንት እቲ ማሕበር፡ መመት ኪሊክ፡ ኣብ 20 ሰነ፡ መዓልቲ ስደተኛታት፡ ገሊጻ’ላ።

እዚ ይኹን’ምበር እቲ ብሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጀርመን፡ ሆርስት ዚሆፈር፡ ዝቐረበ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጽገና ብውድብ ስደተኛታት ጽቡቕ ተቐባልነት ከም ዘይረኸበ ተሓቢሩ። ብመሰረት ዚሂፈር፡ ፋይላት ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ዶባት ኣውሮፓዊ ሕብረት ወጻኢክምርመር፡ ሕቶኦም እንተተነጺጉ ዳግማይ ክስጎጉን ናብ ካልኦት ሃገራት ኣውሮፓ ክመቓርሑ ከምዘይግባእን ዝገልጽ እዩ። “ናይ ብሓቂ ዑቕባ ዘድልዮም ሰባት ምቕባል ክንቅጽል ኢና። እንተኾነ ግና ዑቕባ ዘየድልዮም ሰባት ናብ መበቀል ሃገሮም ክምለሱ ድማ ግዝኣተ ሕጊ ዘድግፎ እዩ” ክብል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጹ ኔሩ።

ሓላፊ ውሽጣዊ ጉዳያት ቻንሰለር መርከል፡ ፓትሪክ ዚንስቡርግ፡ ምስ ዶቼቬለ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት ብዛዕባ ሓተቲ ዑቕባ ኣፈናዊ መርመራ ምግባር ኣብ ዘይሕጋዊ ምክትታል ስደተኛታት ኣገዳሲ ስጉምቲ ምኾነ ኔሩ ኢሉ። ጉጅለ ተጣባቒ መሰለ ስደተኛታት፡ ቪበከ ዩዲዝ፡ እዚ ስጉምቲ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ዘየድሊ ምዕልቕላቕ ክፈጥር እዩ ብምባላ ገሊጽዎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com