Friday , May 3 2024
Foto Ola Torkelsson / TT / Kod 75777

ኤጀንሲ ስደተኛታት–ዛጊት ውሑዳት ዩክሬናውያን ጥራይ ኣብ ሽወደን ሕቶ ዕቚባ ኣቕሪቦም ኣለዉ።

ብምክንያት ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣስታት 370000 ዩክሬናውያን ካብታ ሃገር ምስዳዶም ላዕለዋይ ወኪል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት UNHCR ሓቢሩ።

እንተኾነ ግና ዛጊት 127 ዩክሬናውያን ጥራይ ብዕሊ ሕቶ ዕቚባ ኣቕሪቦም ምህላዎም ዳይረክተር ጀነራል ወኪል ስደተኛታት ሽወደን ሚካኤል ሪበንቪክ ኣመልኪቱ። ናይዚ ምኽንያት ኣብ ሽወደን ሒደት ዜጋታት ዩክሬይን ስለ ዝቕመጡን ሰባት ናብቲ ኣዝማዶም ዘለዉዎ ሃገራት ክኸዱ ዝመርጹ ብምዃኖምን ክኸውን ከም ዝኽእል ዝገለጸ ሪበንቪክ ዋላኳ ብዕሊ ሕቶ ዕቚባ ኣየቕርቡ ብዙሓት ናብ ሽወደን ኣትዮም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ወሲኹ ኣመልኪቱ’ሎ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com