Sunday , May 5 2024
Israeli Prime Minister Naftali Bennett, center, attends a cabinet meeting at the prime minister's office in Jerusalem, Israel, Sunday, Dec. 19, 2021. (Abir Sultan/Pool Photo via AP) TKSJ104

እስራኤል: ሀርድ ኢምዪኒቲ ክትበጽሕ ትኽእል እያ ተባሂሉ

እስራኤል ምስ ምምጻእ ማዕበል ኦሚክሮን ሀርድ ኢምዩኒቲ ከተማዕብል ከም እትኽእል ላዕለዋይ ኣማኻሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ።

እታ ሃገር: ነዚ ክትረክብ ዋጋ ክትከፍል ከም እትኽእል ዝገለጸ: ናኽማን ኣሽ: ኣብ ክንዲ እዚ ሀርድ ኢምዩኒቲ ብክትባት ኣቢሉ ክመጽእ ከም ዝመርጽ ወሲኹ ኣመልኪቱ። ክሳብ ምውዳእ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ 4 ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት በዚ ሕማም ክልከፉ ከም ዝኽእሉ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር: ናፍታሊ በነት: ህሉው ፖሊሲኡ ንማዕበል መልከፍቲ ክዓግት ዓቕሚ ከም ዘይብሉ ተኣሚኑ’ሎ።

ብዘይካዚ: ራብዓይ ክታበት ኮቪድ-19: ዕድሜኦም ካብ 60 ንላዕሊ ንዘለዉ ዜጋታት ክወሃብ ከም ዝኽእል ትማል ሰንበት ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com