Sunday , May 5 2024
Sharon Tabib takes a selfie with the nurse who administered his fourth dose of the Pfizer-BioNTech COVID-19 vaccine at the Sheba Medical Center in Ramat Gan, Israel, Friday, Dec. 31, 2021. (AP Photo/Tsafrir Abayov) JER105

እስራኤል . . . ልዕሊ 60 ንዝዕድሜኦም፡ ራብዓይ ብልቃጥ ክትህብ ጀሚራ

እስራኤል፡ ንልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሜኦም ንኣብ ዝሓለፋ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ሳልሳይ ብልቃጥ ክትባት ወሲዶም ንዝጸንሑ ሰባት፡ ራብዓይ ብልቃጥ ክታበት፡ ክትዕድል ምጅማራ ተገሊጹ።

እቶም እዚ ክትባት ዝምልከቶም ዜጋታት፡ ኣብ ማእከላት ጥዕና ሪጋ ሒዞም ምህላዎም እቲ ዜና ወሲኹ ገሊጹ። ላዕለዎት ሰብ መዚ እታ ሃገር ነዚ ራብዓይ ብልቃጥ ክወሃብ ድሕሪ ምኽታሞም ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ነፍታሊ በነት፡ ዜጋታት ሓድሽ ድርዒ መከላኸሊ ክህልዎም ምዃኑ ብተሌቪዥን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ሓቢሩ ‘ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እስራኤል፡ ኣብ መናበዪ ማእከላት ዝርከቡ ሽማግለታትን ብሰንኪ ሕዱር ሕማም፡ ናይ ምክልኻል ክእለቶም ኣብ ሓደጋ ዝወደቑ ሰባትን፡ ራብዓይ ብልቃጥ ክትባት ክወስዱ ፍቓድ ምሃባ ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com