Saturday , May 4 2024
Stock Nation

እንስሳታት ዘቤት ዘለዎም ስደተኛታት ዩክሬይን ሕክምና እንስሳ ክበጽሑ ጻውዒት ቀሪቡ። 

ምስ ፍትዊ እንስሳ ዘቤቶም ናብ ሽወደን ዝኣተዉ ስደተኛታት ዩክሬይን ምስክር ወረቐት ክትባት ሕማም ዕቡድ ከልቢ እንድሕሪ ዘይብሎም ኮይንኖም ናብ ማእከል ሕክምና እንስሳ ብምኻድ እንስሳኦም ከመርመሩ ከም ዝግባእ ተገሊጹ። 

ዩክሬይን እንስሳ ዘቤት ብቐጻሊ እተኽትብ ሃገር ብምዃና ናብ ሽወደን ሕሙማት እንስሳታት ክኣትዉ እዮም ዝብል ስግኣት ከም ዘየሎ ክኢላ ሕክምና እንስሳን ኣብ ቦርድ ሕርሻ ሽወደን ሓላፊት ምቊጽጻር ሕማማት ረኽሲን ካትሪና ግሌን ንሬድዮ ሽወደን ሓቢራ’ላ። እንተኾነ ግና እቲ ማእከል ሕክምና እንስሳ ንሓደ እንስሳ ዘቤት “ኣንቲቦዲ” የብሉን ኢሉ እንድሕሪ ወሲኑ እቲ እንስሳ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ውሸባ ከም ዝጸንሕ ክግበር ከም ዝኽእል ወሲኻ ገሊጻ’ላ።

ኣብ ዩክሬይን ሕማም ዕቡድ ከልቢ ብብዝሒ ከም ዝረአ ጸብጻባት የመልክቱ። 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com