Thursday , May 2 2024
Foto: Berit Roald / NTB

ኦስሎ፡ ኣብያተ ትምህርትታት ብዛዕባ ኲነታት ዩክሬይን ኣስተምህሮ ክወሃባ እየን።

ኲለን ኣብያተ ትምህርቲ ኦስሎ ብዛዕብቲ ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኲነታት ን ቆልዑ ብኸመይ ከረድእዎም ከም ዘለዎም ኣስተምህሮ ይወስዱ ኣለዉ። ብተመሳሳሊ ኣብያተ ትምህርቲ ዘለወን ብዝሒ ኣዮዲን ኣብ ምትዕርራይ ምህላወን ኖርዌይ ቱደይ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣመልኪቱ።

“ብዙሓት ቆልዑን ኮተቲርን እዚ ኣብ ዩክሬይን ዝግበር ዘሎ ነገራት የፍርሆም እዩ። ኣብ ዩክሬይን ሰባት ብሰንኪ ኲናት ኣብ ተስፋ ዘቚርጽ ኲነታት ወዲቖም ዘርኢ ሓጸርቲ ቪድዮታት ይርእዩ ኣለዉ። በዚ ድማ ኣብ ዩክሬይን ብልክዕ እንታይ የጋጥም ምህላዉ ንክርድኡ ክንሕግዞም ከድልየና እዩ” ክትብል ዳይረክተር ኣብያተ ትምህርቲ ኦስሎ ማርተ ገርሃርድሰን ገሊጻ። ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ንተመሃሮአን ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክሬይን ዝኸውን ዘሎ ነገራት ብኸመይ ከርድእዎም ከም ዘለዎም ተግባራዊ ሓገዛት ይወሃቦም ኣሎ ኢላ።

ብዘይካዚ ኣሸበሸብ ናይ ኑክሌር ወይ ንእኡ ዝመስል ሓደጋ ምስ ዘጋጥም ተባሂሉ ካብ ጥሪ 2020 ኣትሒዘን ኣብያተ ትምህርቲ ኦስሎ ናይ ኣዮኢን ከኒናታት ተዓዲለን ኣለዋ።

“ኣብየት ትምህርቲ ሽወደን ውጥነን ክግምግማን ምስ ግዜ ብማዕረ ይኸዳ ምህላወን ከረጋግጻን ነተባብዐን ኢና። ምስዚ ብዝተኣሳሰር ኣብያተ ትምህርቲ ዘለወን ቀረብ ኣዮዲን ምስ ጠለብ ከመዓራርያኦ ኣገዳኢ ምዃኑ፡ ነዞም ከኒናታት ንተመሃሮ ክዕድላ ፍቓድ ወለዶም ክጣልላን ክግበራ እየን” ኢላ’ላ ገርሃርድሰን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com