Saturday , May 4 2024

ኩባንያ ህዝባዊ መጓዓዝያ SL፡ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ናይ ባቡራትን ኣውቶቡሳትን ትኬት ክቆጻጸር ክጅምር እዩ

ኣብ ኣውቶቡሳትን ባቡራትን ዝግበር ዝነበረ ምቁጽጻር ናይ ትኬት፡ ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፡ ኣቋሪጹ ምጽንሑ ዝዝከር ኮይኑ፡ ካብ ሎሚ ረቡዕ ዕለት 29/07/2020 መስርሕ ምቁጽጻር ትኬት ክጅምር ምዃኑ ኩባንያ ህዝባዊ መጓዓዝያ SL ሓቢሩ ክብል SVT ኣቃሊሑ።

ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ቁጽሪ ተሳፈርቲ ብምጉዳሉን ገለ ሰባት ድማ ዋጋ ትኬት ብዘይ ምኽፋሎም፡ ኣታዊታት ኩባንያ SL ሰሙናዊ ናይ 100 ሚልዮን ክሮነር ክሳራ ከርኢ ከምዝጸንሐን ናይ ኣታዊታት ምምሕያሽ ንኸርኢ ተስፋ ከምዘለዎን እቲ ኩባንያ ሓቢሩ።

ብዙሓት ካብ ተሳፈርትና ነቲ ዕድል ተጠቂሞም ብነጻ ክጓዓዙ ከምተራእዩ እቲ ኩባንያ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

 ኣብ ኣውቶቡሳትን ባቡራትን ንሳፈረሉ እዋናት ብቑዕ ዝኾነ ትኬት ክህልወና ግዴታ እዩ። እዚ ውን ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ከነተግብሮ ዝግበኣና እዩ። እንተኾነ ግን ብዙሓት ዓማዊልና ነዚ ጉዳይ ሸለል ክብሉ ተራእዮም ክብል ኣብ ኩባንያ SL ሓላፊ ምቁጽጻር ዝኾነ ፍሬድሪክ ቢዮርክማን ሓቢሩ።

ተሳፈርቲ ካብ ኣውቶቡሳትን ባቡራትን ኣብ ዝወርድሉ እዋን ጥራይ ብተቖጻጸርቲ ክሕተቱ እዩም። እቶም ተቖጻጸርቲ፡ ሳኒታይዘር ክጥቀሙን ጓንቲ ክኽደኑን ርሕቀቶም ሓልዮም ስርሖም ከሰላስሉን ምዃኖም ድማ ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com