Saturday , May 4 2024

ኩባንያ ሰምፐር፡ ብዛዕባ መግቢ ህጻናት ዝኾነ ፍርያቱ ሓበሬታ ይህብ

መግቢ ህጻናት ዘፍሪ ኩባንያ ሰምፐር፡ ነቲ ኣብ ዕዳጋታት ተዘርጊሑ ዘሎ ንልዕሊ 8 ኣዋርሕ ዝዕድሚኦም ተባሂሉ ዝፈረየ ብስም ሆልሚል ዝፍለጥ ስብቆ ኣመልኪቱ፡ ሓበሬታ ከምዘመሓላለፈ፡ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እዚ ፍርያት፡ ብዘይካ ሰዓዕ (oats)፡ ንልዕሊ 18 ኣዋርሕ ዝዕድሚኦም ህጻናት ተባሂሉ ከም በዓል ባናናን ፔሮንን (prunes) ስለዝተሓወሶ፡ እቶም ነዚ ፍርያት ዝበልዑ ናእሽቱ ህጻናት፡ ናይ ከብዲ ቃንዛ ከጋጥሞም ክኽእል እዩ። ስለዝኾነ ድማ፡ ነዚ ፍርያት ዝዓደጉ ዓማዊል፡ ናብቲ ዝዓደግሉ ቦታ ከይዶም ነቲ ፍርያት ብምምላስ ገንዘቦም ክእክቡ ከምዝኽእሉ እቲ ኩባንያ ሓቢሩ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com