Thursday , May 2 2024

ኩባንያ ኣስትራዘኒካ፡ ልዑል ኣድማዕነት ዘለዎ ክታበት ኮሮና ከምዘፍረየ ኣቃሊሑ

ሽውደናዊ ብሪጣንያዊ ኩባንያ ኣስትራዘኒካ፡ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ምስ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ብምዃን  ዘማዕበሎ ክታበት ኮሮና፡ ኣድማዕነቱ ክሳብ 70% ኮይኑ ከም እተረኽበ ሓቢሩ’ሎ።

ዋና ተመራማሪ እዚ ኩባንያ፡ ዶክተር ኣንድሩ ፖላርድ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እዞም ተመራመርቲ በቲ ውጽኢት ሑጉሳት ምዃኖምን ሕሙማት፡ ፍርቂ፡ ጸኒሖም ድማ ምሉእ ዶዝ ጸረ ኮሮና እንተተዋሂቦም ኣድማዕነት ናይቲ መድሃኒት ናብ 90% ክብ ክብል ከም ዝኽእል ገሊጹ’ሎ።

ንሱ ኣብ መወዳእታ፡ ብዙሕ ህይወት ዘድሕን መድሃኒት ኣብ ኢድና ምህላዉ ኣረጋጊጽና ኣሎና፡ ኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com