Friday , May 3 2024
Pharmaceutical giant Pfizer receives an agreement with the US for deliveries of COVID-19 pills valued at the equivalent of SEK 47 billion. (AP Photo/Mark Lennihan, File)

ኩባንያ ፋይዘር፡ ምስ ኣሜሪካ፡ ሓድሽ ውዕል ፈሪሙ

ኩባንያ ፋይዘር፡ ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ናይ 5.3 ቢልዮን ዶላር (47 ሚልዮን ክሩነር) ውዕል ከምዝፈረመ ገሊጹ። እዚ ውዕል፡ 10 ሚልዮን ብልቃጥ ፓክስሎቪድ (Paxlovid) ዝዓይነቱ መድሃኒት ሕማም ኮቪድ-19 ዝኾነ ከኒና፡ ንምርካብ ዝዓለመ ምዃኑ ብተወሳኺ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እዚ ዓይነት መድሃኒት፡ ንለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ምቁጽጻር፡ ሓድሽ ስትራተጂ ንምሕንጻጽ ዝሕግዝ ኮይኑ፡ ሕሙማት ኮቪድ-19፡ ናብ ሓኪም ከይከዱ፡ ኣብ መጀመርታ መድረኽ ናይቲ ሕማም እንከለዉ፡ ክፍውስዎ ዘኽእል እዩ።

መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ንመድሃኒት ፓክስሎቪድ ተፈላጥነት ንኽህቦ፡ ትማሊ ሰሉስ፡ ኩባንያ ፋይዘር፡ ኣቕሪብዎ ኣሎ። ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት፡ 180 ሽሕ ብልቃጥ መድሃኒት ከፍሪ መደብ ከምዘለዎን ኣብ ዝቕጽ፡ ዓመት ድማ፡ ክሳብ 50 ሚልዮን ብልቃጥ መድሃኒት ከፍሪ ምዃኑ ሓቢሩ።

ብመሰረት ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ እዚ መድሃኒት፡ ነቶም ተነቀፍቲ ክፋል ሕብረተሰብ፡ ክሳብ 89% ካብ ሓደጋ ሞትን ሕክምናዊ ምክትታልን ዘጉድል ምዃኑ ገሊጹ።

ተመሳሳሊ መድሃኒት፡ ካብ ኩባንያ መርክ ከምዝፈረየን፡ ምስ ኣሜሪካ፡ ናይ 2.2 ቢልዮን ዶላር ውዕል ፈሪሙ ከምዘሎን ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com