Saturday , May 4 2024

ኩባንያ ፋይዘር፡ ክዕድሎ ዝሓሰበ መጠን ክታበት ኣጉዲሉ

ኣሜሪካዊ ኩባንያ ፋይዘር፡ እቲ ንኤውሮፓ ከግዕዞ ተባሂሉ መዲብዎ ዝነበረ መጠን ጸረ-ኮሮና ክታበት ብምጉዳል ኣቶኩርኡ ናብ ብዝሒ መጠን ፍርያቱ ከድህብ ምዃኑ ሓቢሩ ክብል ኖርወጃዊ ሃገራዊ ትካል ህዝባዊ ጥዕና ገሊጹ።

በዚ መሰረት፡ ሃገረ ኖርወይ፡ ካብቲ ክትቅበሎ ተመዲቡ ዝነበረ 44 ሽሕ ዶዝ ናብ 36 ሽሕ ዶዝ ምጉዳሉ ተፈሊጡ።

ብመሰረት ጸብጻባት ኩባንያ ፋይዘር፡ ብዝሒ መጠን ዓመታዊ ፍርያቱ፡ ካብቲ መዲብዎ ዝነበረ፡ ናይ 1.3 ቢልዮን ዶዝ ናብ 2 ቢልዮን ዶዝ ክብ ከብሎ መደብ ሒዙ ክሰርሓሉ ጀሚሩ ከምዘሎ ሓቢሩ።

መጠን ብዝሒ ፍርያት ናይ ምዕባይ መደብ፡ ክንደይ ግዜ ክወስደሉ ከምዝኽእል፡ ኩባንያ ፋይዘር፡ ኣይገለጸን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com