Saturday , May 4 2024
STOCKHOLM 20130331 En av Sveriges troligtvis mest betittade klockor, vid skylten för avgående och ankommande tåg på Stockholms Centralstation, visade fel tid under söndagen. Foto: Leif R Jansson / SCANPIX / Kod 10020

ኩባንያ SJ፡ ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ከተማታት፡ ዝርከባ መደበራት ኣገልግሎቱ ከቋርጽ መዲቡ

ኩባንያ SJ፡ ብሰንኪ ኣጋጢምዎ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላዉ፡ ኣብ ማልመ፡ ዮቶቦሪን ስቶክሆሎምን ዝርከባ መደበራት ኣገልግሎት ካብ 1 / መጋቢት ጀሚሩ ከቋርጽ መዲቡ ምህላዉ ኣፍሊጡ ክብል ኣገልግሎት ሬድዮ ሽወደን፡ ሎሚ ሓቢሩ።

እዘን መደበራት፡ ትኬት ኣብ ምሻጥን ብባቡር ኣብ ዝግበር መገሻታት ዝፍጠር ለውጢታት ዘሳልጣን እየን።

ኩባንያታት በረራን ባቡርን፡ ካብተን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናን መምርሒታት ኮሮናን ብዓቢ ደረጃ ዝተሃስያ ኩባንያታት ምዃኑን ይፍለጥ። ብመንገዲ ኩባንያ SJ ዝካየድ ዝነበረ መገሻታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ፡ ብ50% ምጉዳሉ ዝሓበረ እቲ ኩባንያ፡ ኣብ መጀመርያ ኣዋርሕ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ውን እቲ መጠን ብትሑት ዓቐን ይቕጽል ምህላዉ ሓቢሩ።

ምዕጻው ናይዘን መደበራት፡ ንዋጋ ናይ ትኬት ኣብ ክንዲ ምውሳኽ፡ ሰሓቢ ንምግባር ዝዓለመ ኮይኑ፡ ዓማዊልና ድማ ብመንገዲ ኤሌክትሮኒካዊ ኣገልግሎት፡ ትኬት ክዕድጉ ክኽእሉ እዮም ክብል ወሃቢ ቃል’ቲ ኩባንያ፡ ቶቢ ሎንዲል፡ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com