Saturday , May 4 2024
Plenty of snow coming in Norrland. (Graham Hughes/The Canadian Press via AP) GMH113

ኩነታት ኣየር ብሃንደበት  ክለዋወጥ ትጽቢት ይግበር

ከም ክኢላ ሜትሮሎጂ ማግኑስ ዮኤልሶን እንተድኣኾይኑ፡ እዚ ሰሙን ብዘይ ብዙሕ ምልውዋጥ፡ ብልሙድ ኩነታት ኣየር ዝጅምር ከምዝኾነ ጸብጺቡ።
ኣብ ዳርጋ ብምልእታ እታ ሃገር፡ ህዱእ ኩነታት ኣየር ንኽፍጠር፡ ልዑል ድፍኢት ኣየር ምኽንያት ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ከምዚሉ ከሎ፡ ኣብ ሰሜን ግና  ዝሑል ኩነታት ኣየር ከምዝህሉ ማግኑስ ገሊጹ።
ብሰንበት፡ ኣብ ምምሕዳር ዮክሞክ ትሕቲ 35 ዲግሪ ሰልሲየስ ኩነታት ኣየር ከምዝተመዝገበ ተፈሊጡ’ሎ።
ዝመጽእ ሰሉስ፡ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ቅልል ዝበለ ማይ ክወቅዕ እዩ። በረድ ድማ ብብዝሒ ክህሉ ከምዝኽእል ይግመት። ደቡባዊ ክፋል ደብናዊ ከምዝኸውን ተገሊጹ’ሎ።
ይኹን እምበር ካብ ሮቡዕ ጀሚሩ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል ናይታ ሃገር፡ ኩነታት ኣየር ‘ሕውስውስ’ ክብል ምዃኑ እዩ ዝንገር ዘሎ።
ኣብቲ ኣኽራናት ዘለዎ ቦታ ብፍላይ – ንፋስ ዝበዝሖ ከምዝኸውን ተፈሊጡ’ሎ። ምስኡ ድማ ከቢድ በረድ ክወቅዕ ምዃኑ ትጽቢታ ኣሎ።
ምስ’ዚ ጎናጎኒ፡ ኣብታ ሃገር ልዙብ ኣየር ክነግስ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።
ርሕቕ ኢሉ፡ ኣብ ከባቢ ኖርላንድ ብሸነኽ ሰሜን፡ ኩነታት ኣየር ልዕሊ ዜሮ ክምዝገብ ትጽቢት ኣሎ። ብታሕቲ ብጎትላንድ እዚ ኩነታት ኣየር፡ ልዕሊ ዜሮ ናብ 10 ዲግሪ ክብ ክብል ክም ዝኸውን ግምታት ኣለው።
ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን፡ እቲ ትሑት ድፍኢት ኣየር ክሓልፍ ትጽቢት ይግበር። ብሸነኽ ሰሜን፡ እቲ ንፋስ ናብ ሰሜን ገጹ ክነፍስ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
“ድሕሪ’ዚ፡ ዝሕል ዝበለ ዝበለ ንፋስ ክንፍስ ምስጀመረ፡ እቲ ኩነታት ኣየር ብርህርህ ክብል እዩ” ይብል ዮኤልሶን።
ኩነታት ኣየር ሃንደበት  ክለዋወጥ ትጽቢት ይግበር

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com