Saturday , May 4 2024
It is inappropriate for the unvaccinated to visit bars or go dancing, according to Johan Carlson, Director General of the Public Health Agency of Sweden. Foto: Duygu Getiren / TT kod 12080

ካርልሰን፡ ዘይተኸትበ ሰብ ክስዕስዕ ኣይክኽእልን እዩ

ዘይተኸትቡ ሰባት፡ ከምቲ ልሙድ፡ ርሕቀቶም ሓልዮም  ክንቀሳቐሱ ከምዝግባእን ካብ ብዝሒ ህዝቢ ዝእከብሉ ቦታታት ክርሕቁ ከምዝግባእን በዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ገሊጹ ክብል ማዕክን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኩሎም መምርሒታት ኮቪድ፡ ካብ ዕለት 29 መስከረም ጀሚሮም፡ ክለዓሉ ምዃኖም ከምዝተሓበረ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፡ እቶም ዘይተኸትቡ ሰባት ግን ዝተፈልየ መምርሒ ክብየነሎም ምዃኑ፡ ዳይሬክተር በዓል መዚ ጥዕና፡ ዮሃን ካርልሰን፡ ሓቢሩ።

እዚ ማለት ድማ፡ ኩሎም ዘይተኸትቡ ሰባት፡ ካብ ምትእኽኻብ ሰባት ዘለዎም ከም ኣብያተ ትያትራት፡ ስፖርታዊ ንጥፈታትን ከምኡ ውን ሙዚቃዊ ምርኢታት ዝኣመሰሉ ኣጋጣሚታት፡ ክሕወሱ ከምዘይፍቀድን ከምኡ ውን ናብ ባራትን ኣብያተ ትልሂታትን ምኻድ ውን ዘይቅቡልን ምዃኑ ዝሕብር እዩ። ዘይተኸትቡ ሰባት፡ ንሓደጋ መልከፍቲ ሕማም ኮቪድ ዝተቓልዑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኻልኦት ናይ ምልካፍ ሓደጋ ውን እዮም ክብል፡ ካርልሶን፡ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com