Monday , May 6 2024

ካብቶም ዝናኽሱ ኣኽላባት ናይ ባህሪ መርመራ ዝግበረሎም ዝወሓዱ እዮም ተባሂሉ

Foto: Janerik Henriksson / TT / kod 10010

ኣብ ሽወደን ንሰባት ወይ እንስሳታት ዝናኸሱ ኣኽላባት ኣመልኪቱ ዝግበር ገምጋማት ባህሪ እዞም እንስሳ ዘቤት ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ ተፈሊጡ። ብዘይካዚ ፖሊስ ከምዚኦም ኦኣይነት ኣኽላባት ክሰኑ ዝህብዎ ለበዋታት ከም ዘይትግበር ተሓቢሩ። ”ተናኸስቲ ኣኽላባት” ኣብ ዝብል ተኸታታሊ መደባት ሬድዮ ሽወደን ፒ 1 ዝተሳተፉ ክኢላታት ነዚ ርእይቶ ኣጣሊሎም ኣለዉ። ብሰንኪ ስእነት ግቡእ ክንክን ናብ ቤተ ክንክን ዝኣትዉን ሰብ ወይ እንስሳ ዝነኽሱ ኣኽላባት ብፖሊስ ናይ ባህሪ ገምጋም ክገበረሎም ኣይግደዱን እዮም ብመሰረት ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com