Wednesday , May 1 2024

ካብ መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና ነጻ ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጹ፡ ሎቪን፡ ናይ ምውሸብ ግዚኡ ወዲኡ ወጺኡ

ናይ ቫይረስ ኮሮና መርመራ ኣካይዱ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሎቪን፡ ነጻ ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጹን ምስ ሓካይሙ ድሕሪ ምዝታዩን፡ ንነብሱ ወሲኑላ ዝነበረ ናይ ምውሸብ ግዚኡ ወዲኡ ከምዝወጸ፡ ጸሓፊ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኾነ ሚካኤል ሊንድስትሩም ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቬን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓደ፡ ቀረብኡ ዝኾነ ሰብ ምስ ካልእ ድሒሩ ብኮሮና ከምዝተለኽፈ ዝፈለጠ ሰብ ድሕሪ ምርኻቡ፡ እዚ ናይ ምውሻብ ውሳኔ ከምዝወሰደ ይዝከር።

በዓልቲ ቤት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኾነት፡ ኦላ ሎቬን፡ ብተመሳሳሊ ናይ ምውሻብ ግዜኣ ወዲኣ ከምዝወጸት ተፈሊጡ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com