Monday , May 6 2024

ካብ ምምሕዳራት ከተማኦም መሰረታዊ ፋይናንሳዊ ሓገዛት ዘይረኽቡ ሰባት ናብ ገዚፍ ዕዳ ይሽመሙ’ለዉ

Credit: Fredrik Sandberg

ኣብ ከባቢኦም ካብ ዝርከብ ምምሕዳር ከተማ ኣዝዩ መሰረታዊ ገንዘባዊ ሓገዝ ዝተኸልከሉ ወይ ቅድሚ ምቕባሎም ንንውሕ ዝበለ ግዜ ክጽበዩ ዝግደዱ ሰባት፡ መግቢን ገዛ ኽራይን ዝዝኣመሰለ መሰረታዊ ሰብኣዊ ጠለባት ንምኽፋል ልቓሕ ምውሳድ ልሙድ እናኾነ ይመጽእ ከምዘሎ ተመራመርቲ “ቤት ትምህርቲ ማሕበራዊ ስራሕ ዩኒቨርሲቲ ሉንድ” ገሊጾም። ኣብ ሽወደን ሰባት ንነብሶም ዝመርሕሉ መገዲ እንተዘይብሎም ኣብ ከባቢኦም ካብ ዝርከብ ምምሕዳር ከተማ ገንዘባዊ ሓገዝ ወይ “ፎርሾርኒንስቶድ” ከመልክቱ ይኽእሉ እዮም። እንተኾነ ግና ነዚ ንኽትበቅዕ ግን ንገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ብድሆ እዩ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሉንድ ቤት ትምህርቲ ማሕበራዊ ስራሕ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ኣና ኣንጀሊን፡ እዚ ገንዘባዊ ሓገዝ ዝተኸልከሉ ዝያዳ ሰባት ልቓሕ ይወስዱ ከምዘለዉን፡ እዚ ድማ ንቐጻሊ ኣብ ገዚፍ ዕዳ ከእትዎም ከም ዝኽእልን ን ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ኣተሓሳሲባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com