Friday , May 3 2024
A soldier of the Kenya Defence Forces (KDF) receives a coronavirus vaccination at the launch of a campaign to vaccinate (AP Photo) NAI101

ኬንያ . . . ዘይተኸትቡ ሰባት፡ ኣገልግሎት ኣይክረኽቡን እዮም

መንግስቲ ኬንያ፡ ጸረ ኮቪድ-19 ክትባት ዘይወሰዱ ሰባት፡ መንግስታዊ ኣገልግሎት ንኸይረኽቡ ዝእገድ ሓደ መምርሒ ከተመሓላልፍ ውጥን ከም ዘለዋ ኣቃሊዓ።

ክትባት ዘይወሰዱ ሰባት፡ ህዝባዊ መጓዓዝያ፥ መንገዲ ኣየር ኬንያን ባቡርን ከይጥቀሙ ክኽልከሉ ምዃኖም ሚኒስተር ጥዕና፡ ሙታሂ ካግዌ፡ ወሲኻ ኣብሪሃ’ላ። በዚ ድማ ኬንያውያን፡ ኣገልግሎታት መንግስቲ፡ ከም ትምህርቲ፥ ኢሚግሬሽን፥ ቀረጽን ካልእን ንምርካብ ከም እተኸትቡ ዝምስክር ወረቐት ከርእዩ ክሕተቱ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ነዚ ተባሂሉ ዕድሜኦም ካብ 15 ንላዕሊ ዝኾኑ ኬንያውያን ካብ ጽባሕ ሰሉስ ኣትሒዞም ክትባት ፋይዘር ኽወሃቦም ክግበር እዩ።

እታ ሃገር፡ ክሳብ ዝመጽእ ወርሒ ታሕሳስ፡ 10 ሚልዮን ዝኾኑ ዜጋታት ክትከትብ ውጥን ኣውጺኣ ትሰርሕ ከም ዘላ ምንጪታት ሚኒስተሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጾም ኣለዉ።

ካብ መላእ ህዝቢ ኬንያ 10% ጥራይ ክትባት ከም ዝረኸበ ይፍለጥ። እዚ መምርሒ ካብ 21 ታሕሳስ ኣትሒዙ ተግባራዊ ክኸውን እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com