Saturday , May 4 2024

ክለባት ቸልስ ዎልቭስን ውድድራተን ብ ዓወት ይፍልምኦ

ትማሊ ምሸት ውድድር ፕሪመር ሊግ ቀጺሉ ኣብዘምሰየሉ፣ኢንግሊዛዊት ክለብ ቸልሲ ድሕሪ ኣብዚ ናይ ቅልውላው እዋን ንመዕደጊ ተጻወቲ ከቢድ ወጻኢ ብምግባር ብ ስሙያት ተጻወቲ ካይ ሃቨርትዝን ቲም ወርነርን ካልኦት ዳግማይ ተሃኒጻ ነዚ ዓመተ ውድድር ምድላዋታ ብምጽፋፍ ትማሊ ምሸት ምስ ብራይተን ኣብ ዝገብረቶ ጸወታ፣ ወላ እካ ክለብ ቸልሲ ብ ብራይተን ተዓብሊላ ተምሲ ቲም ወርነር ግን ፈጣን ምንቅስቃሳቱን ክእለቱን ን መስመር መጥቃዕቲ እዛ ክለብ ዝዓብስ ይመስል፣ ከም ውጺኢቱ ድማ ኣብ መበል 23 ፍጹም ቅላዕ ከምጽእ ዝኸኣለ። ቀጺላ ብሰንኪ ሕምቀት ሓላዊ ልዳት ሙኻና ዝተነግረላ ብራይተን ብመንገዲ ትረሳርድ ካብ ሩሑቕ ሸቶ ብምምዝጋብ ተመዓራርያ። ድሕሪ ዕረፍቲ ኣብ ዝቐጸለ ጸወታ ክለብ ቸልሲ ሓደ ካብ ፍርያታ ዝኾነን ኣብ መስመር የማን ምኽልካል ዝስለፍ ብሉጽ ናይቲ ግጥም ዝተሰምየ ረይስ ጀሚስ ሓንቲ ሸቶ ብሽሙ ካልኣይቲ ድማ ንሸቶ ብምስርሑ ክለቡ 3 ብ 1 ክትዕወትን ነዛ ዓመት ብ ዓወት ክትፍልምን ዓቢ ተራ ተጻዊት. ዝስዕብ ጸወታ ክለብ ቸልሲ 20 መስከረም ምስ ሊቨርፑል ኮይኑ ብቅዓት እዘም ሓደሽቲ ዝፈረሙን እዛ ክለብን ክፍተሽ ትጽቢት ይግበር።

ኣብዚ ምሸት እውን ክለብ ዎልቭስ ነቲ ናይ ዝሓልፈ ዓመት ብቕዓታ ትደግሞ ትመስል ድሮ ነዛ ውድድር ዓመት ኣብ ልዕሊ ሸፊል ዩናይት 2 ብ 0 ብምዕዋት ነዚ ውድድር ፈሊማቶ ትርከብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com