Saturday , May 4 2024

ክለብ ቸልሲ ስሙያት ተጻወቲ ብምፍራም መሳርዓ ተደላድል

ኣብዚ ናይ ምስግጋር ወቕቲ ብርኽት ዝበሉ ተጻወቲ ካብ ናብ ኣብ ዝሰጋገርሉ ዘሎ እዋን ኢንግሊዛዊት ክለብ ቸልሲ ምስ ዓበይቲ ክለባት ስማ ንምዕቃብ ሃጋፋታ ንምምላእ ኣብ ሸመተ ተጻወቲ ንጥፍቲ ብሙኻን ተጻወቲ ኣብ ምስግጋር ትርከብ። ገለ ካብ ዚኣቶም  ኣብዛ ሎንዶናዊት ክለብ ኣበርክተኦም ሰማይ-ጠቀስ ምዃኑ በኣጉኡ ምርዳእ ይኸኣል።

እዛ ክለብ ሳጋብ ሕጂ ካብ ዘፈረመቶም ምስ እንርኢ እቲ ቀዳማይ  ሞሮካዊ  እንዳ ኣከፋፈለ ዘጥቕዕ ሓኪም ዘይቺ ኮይኑ ፣ኣብ ማእከል ኮንካ ኩዑሶ ኣብ ምክፍፋልን ጎል ናይ ምምዝጋብ ባህሪ ዝውንን ኣርሓ ማእከል-ሜዳ’ዩ።ዘያች ዝያዳ ዝደመቐሉ ምስ ክለብ ኣያክስ ብሙኻን ስጋብ ፍርቂ ፍጻሜ ብምስጋር ተጠማቲ ካብ ዝነብሩ ኮይኑ፣ ነዚ ኣብ መስመር ምክፍፋል ክለብ ቸልሲ ዘሎ ድኽመት ክዓብስ ምሉእ ተስፋ ተነቢሩሉ ዘሎ ተጻዋታይ’ዩ።

ካልእ ሎሚ ዓመት ጀርመን ካብ ዝርኣየቶም ተስፋ ካብ ዝተገብረሎምን ምስ ሓዳሽ ክለብ ለይፕዚግ ዝደመቀ ቲም ወርነር እዩ። እዚ ኣብ ውድድር ቡንደስ-ሊግ ጀርመን ድንቂ ብቅዓት ጸንባርቀ ቲም ኣብ የዕንቲ ዓበይቲ ክለባት ክውድቅ ግዜ ዘይወስደ ኮይኑ ክለብ ቸልሲ ብዘይ ምዕጥይጣይ ካብ ዘፈረመቶም እዩ። ቲም ወርነር ምስ ክለቡ ካብ ዘገበሮ ውድድራት ንክለቡ ወኪሉ ካብ 127 ጸወታታት 78 ሸቶታት ዘመዝገበ ተጻዋታይ ኮይኑ ምስ ክለብ ቸልሲ እውን ነዚ ብቕዓት ክደግሞ ትጽቢት ካብ ዝግበሮሎም እዩ።

ክለብ ቸልሲ ስልሳይ ኣገዳስን ን መጻኢ ጸጋማይ መስመር ምክፍፋል ኢንግሊዝን ክለብ ቸልሲ ክዓብስን ትጽቢት ካብ ዝተገብረሎምን ሎሚ ዓመት ክለብ ለስተር ሲቲ ጎሊሑ ካብ ዝተርኣየ  ኢንግሊዛዊ ወዲ 23 ዓመት ቺልወል እዩ። እዚ ጸጋማይ መስመር እዛ ክለብ ክዓብስ ትጽቢት ዝተገብረሉ መንእሰይ፣ ንቅድሚት ብምሕላፍ እውን ን ኣጥቃዕቲ ኮዓሳሱ ኣብ ምቕባልን ስንጢቕካ ናይ ምሕላፍን ወሓለ ሙኻኑ እዩ ዝንገረሉ።

እሞ ክለብ ቸልሲ ሕጂ ኣውን ን ብራዚላዊ ተኸላኸላይ ትያጎ ሓዊስካ በዚ ትገብሮ ዘላ መጠነ ሰፊሕ ተሃድሶ እንታይ ዓይነይ ጋንታ ሙኻኑ ድሕሪ ውሕዳት ሰሙን ዝጅምር ውድድር ፕሪመር ሊግ ዝምልሶ ክኸውን እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com