Thursday , May 2 2024
Foto: Gorm Kallestad / NTB

ክልተ ሚልዮን ኖርዌጃውና ናይ ቀረጽ ካርዶም ኣይተመልከቱን ኣለዉ።

ካርድ ቀረጽ ካብ ዝወጽእ ክልተ ኣዋርሕ እኳ እንተመልአ ክልተ ሚልዮን ዝኮኑ ኖርዌጃውያን ኣብ ካርዶም ዘሎ ናይ ቀረጽ ሓበሬታ ቅኑዕ ድዩ ኣይኮነን ንምፍላጥ ገና ኣይተመልከቱን ኣለዉ ክብል ምምሕዳር ቀረጽ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

“ልክዕ መጠን ቀረጽ ትኸፍል ምህላውካ እንድሕር ክተረጋግጽ ደሊኻ እቲ እንጥቀመሉ ዘሎና ሓበሬታ ቅኑዕ ምዃኑ ምርግጋጽ ኣገዳሲ እዩ” ክትብል ኣብ ምምሕዳር ቀረጽ ዳይረክተር ዲቪዥን ማርታ ዮሃን ጀንገዳል ገሊጻ።

ካርድ ቀረጽ ኣብ ዓመተ 2022 ካብ ደሞዝን ካልእ ክፍሊትን ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ከም እተቘርጸ ዘርኢ ከም ዝተቘርጸ ዘርኢ ኮይኑ ካብ ዲሰምበር 15 ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ከም ዘሎ ወሲኻ ገሊጻ’ላ።

ገለ በዚ ምምሕዳር ኣብ ምጥቓላል ካርዲታት ቀረጽ ዝውዕል ሓበሬታ ካብ ተመላሲ ቀረጽን ናይ 2020 ኣካውና ቀረጽን ጸብጻብ ረብሓታት ሽቕለት ኣልቦነትን ዝስራሕ እኳ እንተኾነ ኣብ ህይወት ከፋላይ ቀረጽ ዝህሉ ለውጢታትን ውልቃዊ ፋይናንስ ውልቀሰብን ንዝኽፈል ቀረጽ ይጸልዎ እዩ ክብል ጸብጻብ ኖርዌይ ቱደይ ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com