Thursday , May 2 2024
A pupil takes a Corona antigen rapid test before the start of lessons (Marius Becker/dpa via AP) DMME103

ክታበት ትሕቲ ዕድመ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክጅመር እዩ

ኩሎም ኣብ ዓመተ 2005 ይኹን ቅድሚኡ ዘለዉ ዓመታት ዝተወልዱ ሽወደናውያን፡ ካብ መበል 32 ሰሙን ጀሚሮም፡ ክታበት ኮቪድ-19 ክኽተቡ ክኽእሉ ምዃኖም ንጸብጻባት በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ብምጥቃስ፡ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ኩለን ምምሕዳራት ሽወደን፡ ድሕሪ እዚ ዝካየድ ዘሎ ራብዓይ መድረኽ ክታበት፡ ነዞም ኣብ ክሊ ዕድመ 16 ን 17 ዓመት ዘለዉ ናእሽቱ ትሕተ ዕድመ መንእሰያት ንክኸትባ መደብ ከምዘለወን ብተወሳኺ ገሊጹ።

እዞም ናእሽቱ መንእሰያት ንክኽተብዎ ተዳልዩ ዘሎ ዓይነት መድሃኒት፡ እቲ ነቶም ክሳብ 12 ዓመት ዕድመ ዘለዉ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ መንእሰያት ንኽወሃብ ብኤውሮጳዊ ኤጀንሲ መድሃኒት ፍቓድ ዝረኸበ፡ ክታበት ፋይዘር/ቢዮንቴክ ምዃኑ ተገሊጹ።

ዕላማ ናይዚ መደብ፡ ብቐዳምነት፡ እዞም ናእሽቱ መንእሰያት፡ መከላኸሊ ኣንጻር ኮቪድ-19 ክወስዱን ብኡ ኣቢሉ ድማ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ከጋጥም ንዝኽእል ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምጉዳል ተባሂሉ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ኣዘኻኺሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com