Thursday , May 2 2024

ክታበት ኢንፍሉዌንዛ፡ ንሽማግለታትን ነቶም ንሓደጋ ቅሉዓት ዝኾኑ ክፋል ሕብረተሰብን ብነጻ ክወሃብ እዩ

ኣብ ኩለን ምምሕዳራት ሽወደን ዝርከቡ ሽማግለታትን ንሓደጋ ቅሉዓት ዝኾኑ ክፋል ሕብረተሰብን፡ ክታበት ወቕታዊ ኢንፍሉዌንዛ፡ ብነጻ ክረኽቡ እዮም ክብል ተተ (TT) ኣቃሊሑ።

እቲ ወግዓዊ ውሳኔ፡ ዕለት 28/10/2020፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ሽማግለ ምምሕዳራት ሽወደን ክመሓላለፍ ምዃኑ ኣደ ወንበር ሽማግለ ሓለዋ ጥዕና ቬስተርኖርላንድ፡ ሊና ኣስብሎንድ፡ ገሊጻ። ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ዓቢ ጸቕጢ’ኳ እንተፈጠረ፡ ካብተን ካልኦት ምምሕዳራት ግን ክንተርፍ የብልና ክትብል ወሲኻ።

ናይዚ ዓመት መደብ ክታበት ወቕታዊ ኢንፍሉዌንዛ፡ ዕለት 03/11/2020 ክጅምር ትጽቢት ይግበር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com