Thursday , May 2 2024

ክታበት ኣስትራ ዚኒካ፡ ተስፋ ዝህብ ውጽኢት የመዝግብ

ቀዳማይ ብልቃጥ (ዶዝ) ክታበት ኣስትራ ዚኒካ ድሕሪ ምውጋእ፡ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝኣክል፡ ብ76%፡ ካብ መልከፍቲ ኮሮና ክከላኸል ከምዝኽእል ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ ዝርከቡ ተመራመርቲ ሓቢሮም።

እዚ ዝተረኽበ ውጽኢት፡ ንኣድማዕነት ናይቲ ክታበት ዘረጋግጽ እዩ ክብሉ፡ እቶም ተመራመርቲ ገሊጾም ኣለዉ።

እቶም ብክታበት ኣስትራ ዚኒካ ዝተኸትቡ ሰባት፡ እቶም ዝተሓተ ዓቕሚ ምምሕልላፍ ናይ ኮቪድ-19 ዘለዎም ሰባት ከምዝኾኑ ኣሜሪካዊት ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ገሊጻ።

ክታበት ኣስትራ ዚኒካ፡ ክዕቀበሉ ዝኽእል መጠን ሙቐት ካብ 20c ክሳብ 80c ብምዃኑ፡ ንምጉዕዓዙ ዝቐለለ ይገብሮ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዋጋ ሓንቲ ብልቃጥ ድማ ብመጠኑ ዝሓሰረ፡ 2.5 ዩሮ፡ እዩ። እዞም ዝተጠቕሱ መለክዒታት ድማ፡ ነቲ ክታበት ኣብ ልዕሊ እቶም ካልኦት ክታበታት ጸብለልታ ይህልዎ ክብሉ እቶም ተመራመርቲ ብምውሳኽ ይገልጹ።   


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com