Thursday , May 2 2024
Foto: Anders Wiklund / TT / kod 10040

ኮሚተ ሽልማት ኖበል ሕጹያት ይረቊሕ።

ኣብዚ ዓመት ካልኣይ ዝዓበየ ምርቋሕ ተሸለምቲ ኖቢል ከም እተኻየደ ተገሊጹ። ኣብዚ ዓመት 343 ሰባት ነዚ ሽልማይ ተረቑሖም ዘአዉ ኮይኖም እዚ ድማ ምስቲ ኣብ 2021 ዝነበረ እንክነጻጸር ናይ 14 ሰባት ወሰኽ ኣለዎ።  ካብዚኣቶም 251 ውልቀሰባት ክኾኑ እንከለዉ እቶም 93 ድማ ውድባት እዮም ተባሂሉሎ።

ኣብ 2016 ብ 376 ኣሃዝ ዝለዓለ መጠን ተረቋሕቲ ሽልማት ኖቢል ከም እተመዝገበ ሰነዳት እቲ ኮሚተ የመልክቱ።

ብመሰረት ልሙድ ኣሰራርሓ እቲ ኮሚተ ምርቋሕ ተሸለምቲ ክሳብ ጥሪ 31 ምቕራብ ይከኣል እዩ። ድሕሪዚ እቲ ኮሚተ ኣብ ቀዳማይ ጒባኤኡ ዝሓጸረ ዝተጻረየ ዝርዝር የውጽእ።

ካብኡ ብምቕጻል ድሕሪ ርሱን ዘተ እቲ ሽልማት ኣብ ታሕሳስ 10 ይዕደል።

ኣዝዩ ስሙይ ተጣባቒ ኣከባቢን ኣቕራቢ መደባትን ደቪድ ኣተንበሮው፡ ቆንስል ኣርክቲክ ከምኡውን ዜጋ ቲበት ዝኽዕነ ሰራሕ ፊልም ዶንዱፕ ዋንችን ተረቚሖም ንሽልማት ምህላዎም ካብ ፖለቲከኛታት ኖርዌይ ዝተረኽበ ሓበሬታ ብምጥቃስ ኖርዌይ ቱደይ ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com