Friday , May 3 2024
(AP Photo/Justin Kabumba) NAI103

ኮንጎ፡ ብሰንኪ ዝተፍአ እሳተ ጎመራ፡ ከበድቲ ጸገማት ይፍጠሩ

ኣብ ኮንጎ ብሰንኪ ኣብ እምባ ኚራጎንጎ ዝተፍአ እሳተ ጎመራ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዜጋጋት’ታ ሃገር፡ ኣብ ከቢድ ሽግር ማይ ወዲቖም ምህላዎም፡ ዶብ ኣልቦ ሓካይም ዝተባህለ ሓደ ናይ ረድኤት ማሕበር ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ቢቢሲ ሓቢሩ።

ብሰንኪ እቲ እሳተ ጎመራ፡ ማይ ዘመሓላልፍ ቱቦታት ከም ዝዓነወን ዛጊት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ናብ መረበቶም ክምለሱ ከም ዘይከኣሉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊጹ።

መሰረታዊ ድሌታት ናይቶም ዝተመዛበሉ ህዝቢ ከነማልእ እኳ ንጽዕር እንተሃለና፡ እዂል ግን ኣይኮነን ክብል ሓላፊ ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም ዲሞክራስያዊት ሪፓፕሊክ ኮንጎ፡ ማጋሊ ሩዳት፡ ሓቢሩ።

ኣብ’ዚ ከባቢ፡ ሕማም ሽሮኽ ኣትዩ ብምህላዉ፡ ህዝቢ’ቲ ከባቢ፡ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ሽግር ቀረብ ማይ ብዝቐልጠፈ እዋን ዝፍታሓሉ ኲነታት ክፍጠር ጻውዒቱ ኣቕሪቡ ከምዘሎ ምንጭታት ናይቲ ከባቢ ይሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com