Saturday , May 4 2024

ኮኾብ ተዋሳኣይ ካርል ዌዘርስ ኣብ መበል 76 ዕድሜኡ ዓሪፉ

ኣሜሪካዊ ተዋሳኣይ ካርል ዌዘርስ ኣብ መበል 76 ዓመቱ ከምዝዓረፈ ስድርኡ ሓቢሮም። ኣብ ፊልምታት ሮኪ ከም ኣፖሎ ክሪድ ዝተዋስአ ዌዘርስ፡ ብድቃሱ ብሰላም ከም ዝዓረፈ ስድርኡ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም። ካልኦት ፊልምታት ካርል ዌዘርስ ድማ፡ ምስ ኣርኖልድ ሽዋርዘነገር ብሓባር ብምዃን ዝሰርሕዋ ህብብቲ ፊልም “ፕሬደተር”፥ ከምኡ’ውን ምስ ኣዳም ሳንድለር ዝሰርሓ ሃፒ ጊልሞርን ይርከብዎም። ከም ናይ መስመር ተኸላኻላይ ኤንኤፍኤል ብምዃን ሞያኡ ሀ ኢሉ ዝጀመረ ዌዘርስ፡ ጽቡቕ ህይወት ዘሕለፈ ፍሉይ ሰብ እዩ ነይሩ ክብል መግለጺ ስድርኡ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። ኣብ ፊልም፡ ተለቪዥን፡ ስነጥበብን ስፖርትን ብዝገበሮ ኣበርክቶ፡ ዘይሃስስ ኣሰር ገዲፉ እዩ። ኣብ መላእ ዓለምን ኣብ ዝሓለፉ ወለዶታትን ከኣ ዓብዪ ዝና ኣጥርዩ እዩ፥ ዌዘርስ ፍቑር ሓው፡ ኣቦ፡ ኣቦሓጎ፡ በዓል ሓዳርን ዓርካን እዩ ነይሩ ይብል መግለጺ እቶም ስድራቤት። ካብ ኣትሌትነት ናብ ተዋስኦ ዝሰገረ ዌዘርስ፡ ኣብ ፊልምታት ኣክሽንን ኮሜዲን ምቹእ ገጸባህር ምንባሩ፡ ካብ ኣረስተድ ዲቨሎፕመንት ክሳብ ዘ ማንዳሎርያን ዝበላ ፊልምታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ብርክት ዝበላ ተኸታታሊ ፊልምታት ተዋሲኡ እዩ። ናይ ቀደም መሳርሕቱ ከምኡ’ውን ኣመሓዳሪ ካሊፎርንያ ነበርን ኮኽንብ ተዋሳይ ፊልምታት ኣክሽን ሽዋርዘነገር፡ ኣብ ኤክስ ዝብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ካርል ዌዘርስ ወትሩ ተዘካሪ’ዩ። ዓብዪ ኣትሌት፡ በዓል ትውህቦን ዓቢ ሰብን እዩ ኔሩ ክብል ን ዌዘርስ ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ’ሎ። ብዘይ ኣበርክቶ ዌዘርስ ንፕሪደተር ክንሰርሓ ኣይምኸኣልናን ኔርና ክብል ሽዋርዝነገር ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ኣብ 1948 ኣብ ኒው ኦርሊንስ ዝተወልደ ዌዘርስ፡ ኣብ 1970 ናብ ኦክላንድ ራይደርስ ቅድሚ ምጽንባሩ ጥበብ ተዋስኦ ተማሂሩ እዩ። ኣብቲ ንልዕሊ 50 ዓመታት ኣብ ሆሊዉድ ዝጸንሓሉ ግዜያት፡ ኣብ ልዕሊ 75 ፊልምታት ተዋሲኡ ከምኡ’ውን መደባት ቲቪ ከምዝቐርብ ዲድላይን ይሕብር። ኣብ 2021 ኣብ ፊልም ዘ ማንዳሎርያን ብዝተጻወቶ ተራ ንሽልማት ኤሚ ተሓጽዩ እዩ። ክልተ ክፋላት ተኸታታሊ ፊልም ስታር ዋርስ ከምኡ ውን ክፋላት ናይ ላው ኤንድ ኦርደርን ቺካጎ ሜድን እውን ሰሪሑ እዩ። ብተወሳኺ ኣብ ኣክሽን ጃክሰን፡ ክሎዝ ኤንካውንተርስ ኦፍ ዘ ተርድ ካይንድ፡ ኤይት ክሬዚ ናይትስ፡ ሊትል ኒኪን ፍራንቸይዝ ቶይ ስቶሪን ተዋሲኡ እዩ። ኣዳም ሳንድለር ዌዘርስ ናይ ብሓቂ ዓቢ ሰብ፥ ዓቢ ኣቦ፥ ዓቢ ተዋሳኣይ፥ ኣትሌት–ኮታ ብዂሉ ዝፍቶ  ክብል ተዘክሮኡ ጽሒፉ ዓብዪ ተዋሳይ ሲልቨርስር ስታሎን ብወገኑ፥ “ብዘይ ዌዘርስ ንሮኪ ክሰርሓ ኣይምሓሰብኲን ዌዘርስ ኣዝዩ ንፉዕ ተዋሳይ እዩ ነይሩ ኢሉ። ዌዘርስ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ዲትሮይት ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ንነብሱ ዕድለኛ እየ ኢሉ ኔሩ እዩ። “ብቕድመይ ዝነበሩሞ ብዙሓት ዘድንቖምን ብዓወቶም ክመስሎም ዝደለኹን ኔሮም እዮም፡ ኣነ’ውን ብመንጽር ዓወት ነቲ ዝኸድዎ ደረጃ በጺሐዮ እየ፥ በዚ ድማ’አ ንነብሰ ከም ዕድለኛ ዝቖጽራ ኢሉ ምንባሩ–ቢቢሲ ዘኪራ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com