Friday , May 3 2024
Credit: Johan Nilsson/TT

ኲሎም መራሕቲ ሰልፊ ናብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ክሳተፉ ብ ቀ/ሚ ክሪስተርሾን ተዓዲሞም

መንግስቲ ሽወደን፥ ኲሎም መራሕቲ ሰልፍታት ን ዝመጽእ ሓሙስ 12 ጥቅምቲ ኣብ ኣኼባ ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ክሳተፉ
ዓዲሙ። ፖሊስን ካልኦት ሰብመዚን ነዞም መራሕት ሰልፍታት ብዛዕባ ኣንጻር ገበናት ጕጅለታት ዝግበር ዘሎ ቃልሲ፥ ከምኡ’ውን
ብዛዕባ ሕጋዊ እማመታት ኣመልኪቶም እዋናዊ ሓበሬታታት ክህብዎም እዮም። ብዘይካዚ እዞም ተሳተፍቲ ኣኼባ ዝኾኑ መራሕቲ
ሰልፊታይ ናይ ባዕሎም እማመታት እውን ከቕርቡ ክኽእሉ እዮም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሾን ኣብ ዘቕረቦ ዕድመ፡
ኣብቲ ኣንጻር ጕጅለታት ገበን ዝግበር ”ኣገዳሲ መጥቃዕቲ” ብዝተኻእለ መጠን ኲሎም ፖለቲከኛታት ሸደን ሰፊሕ ሓድነት ክፈጥሩ
ኣድላዪ ምዃኑ ጽሒፉ’ሎ።

 

Credit: Johan Nilsson/TT

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com