Thursday , May 2 2024

ውልቃዊ ሓገዝ ዝህባ ኩባንያታት ዓሎቕ ምክያድ ይቕጽላ ኣለዋ ተባሂሉ

ዋላ’ኳ ፍቓድ ንግዶም እንተተሰረዘ፡ ስንክልና ስራሕ ንዘለዎም ሰባት ውልቃዊ ሓገዝ ኣብ ምሃብ ዝሰርሓ ሓያሎ ኩባንያታት፡ ንገዛእ ርእስን ‘ምምሕዳር’ ኩባንያታት ኢለን ብምጽዋዕ ፡ ብዝተፈለየ ጉልባብ ስርሐን ቀጺለን ምህላአን ኣገልጎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ሓደ ብ ኣገልግሎት ዚና ሬድዮ ሽወደን ዝተራእየ ጉዳይ ከም ዘመልክቶ፡ ሓደ ህጹጽ ሓገዝ ከምዘድልዮ ዝተጠቕሰ ዓሚል፡ ኣብቲ ዝተጠቕሰሉ እዋን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምንባሩ ከም ኣብነት ተላዒሉ’ሎ። “ነዚ ንምእራም ሓደስቲ ስጉምትታት የድልዩና ኣለዉ። ኣብቲ ዓውዲ ካብ ዘለዋ ዘይሓላፍነታዊያን ኩባንያታት ክንገላገል ንደሊ ኢና” ክብል ኣካያዲ ኣሃዱ ኤጀንሲ ማሕበራዊ መድሕን ሽወደን ሄንሪክ ውረደ ንሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com