Saturday , May 4 2024
Bertil Ericson/TT

ውልፍ ድራግ ዝኾነ ወዲ 12 ዓመት ህጻን ሰብ ይቀትል።

ግዳይ ፍቱሓት ወለድን ብግቡእ ህጻናት ኣብይ ይዎዕሉን ምስ መን ይዘሩ ስኣን ምክትታልን ምእላይን ቡዙሓት ህጻናት ግዳይ ዘይተደልየ ወለፊ ይኾኑ ምህላዎም ንዝተፈላለየ ብትሕቲ ዕድሜ ዝተፈጸመ ገበን ዝመርምር ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ይሕብር። ሓደ ካብኡ ወዲ 12 ዓመት ህጻን ኣብ መእለዪ ማእከል ውልፋን ድራግ ድሕሪ ምእታዉ ዝያዳ ጉዙእ ወልፊ ብሙኻን  ገበን ቅትለት ፈጺሙ። እዚ ህጻን ኣብዚ ማእከል ማሕበራዊ ክንክን ውልፉን ( HVB) ዝኣተወ ንሓንቲ ሰበይቲ ብስሕለት ካራ ቀቲሉ ሞባይላ ብምስራቑ ሙኻኑ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ትሕበር።

እዚ ማእከል ምስ ስድራቤቶም ዘይፍታሕ ሽግር ንዘለዎም ወይ ድራግ ዝወስዱ ህጻናትን ኰተቴን ዝኣሊ እዩ። “እዚ ህጻን ዘሕዝን ገበን እዩ ፈጺሙ” ክትብል ሓላፊት ፖሊስ ኩንግላቭ ክርስትያን ኔሊን ነዚ ፍጻሜ ብምግላጽ። እዛ ግዳይ ዝኾነት ኣና ናብ ቤታ እናምርሐት ኣብ ሓደ ቢንቶ መስገሪ ምስ በጽሐት እያ እቲ ናይ ስርቂ ፈተነ ተጌሩላ። ሞባይላ ኣብ ምምንጣል ዝነበረ ቅልስ ከኣ ኣብ ደረታ ብስሕለት ተወጊኣ። ኣብ ሆስፒታል ን 12 መዓልታት ድሕሪ ምድቃሳ ኸኣ ህይወታ ክሓልፍ ከምዝኸለ ክትብል ነዚ ፍጻሜ ትገልጾ።

 “ክሳብ ዝዓቕማ ተቓሊሳ እያ። እቲ ቃንዛ ብርቱዕ ብምንባሩ ግና መወዳእትኡ ተሰኒፋ” ክትብል ጓላ ን ኣፍቶንብላዴት ቃላ ሂባ። ፖሊስ ኣብ ዝገበርዎ ዳህሳስ ነዚ ወዲ 12 ዓመት ህጻን ከም ዝሓዝዎን ኣብ መእለዪ ማእከል ክጸንሕ ከም እተገብረን እንተኾነ ግና ድሕሪ ወርሒ ዝኸፍአ ወልፊ ድራግ ከም ዝለመደ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ዘዳለዎ ጸብጻብ ሓቢሩ። ኣብ መፋርቕ ለካቲት ፖሊስ ነዚ ህጻን ድራግ ብምጥቃሙ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣብ ዘእተውሉ እዋን ኣብ ውሽጡ ጁባኡ ንእሽቶ ካራን ቊሩብ ማሪዋናን ከም ዝረኸቡ ድማ ገሊጾም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com