Sunday , May 5 2024
Tedros Adhanom Ghebreyesus, Director General of the World Health Organization (WHO) (Salvatore Di Nolfi/Keystone via AP) AMB802

ውድብ ጥዕና ዓለም . . . ማዕበል ለበዳ ጅር ደልታን ኦሚክሮንን ይመጽእ ኣሎ

ማዕበል ለበዳ ጅር ደልታን ኦሚክሮንን ሓደገኛ ሱናሚ ኮቪድ 19 የስዕብ ምህላዉ ዳይረክተር በዓል መዚ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO)፡ ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ገሊጹ።

ፈረንሳ ንኽልተ መዓልታት ብተኸታታሊ ኣብ ዝተኸስተ መልከፍቲ 208 ሽሕ ሰባት ከም ዝሓመሙን እዚ ድማ ኣብ ኣውሮጳ ዝበዝሐ ኣሃዝ ለበዳ ምዃኑን ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ኣመሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ብማእከላይ ገምጋም መዓልታዊ 265,427 ሰባት በዚ ሕማም ከም እተለኽፉ ካብታ ሃገር ዝወጹ ኣሃዛት ኣመልኪቶም ኣለዉ።

ኣብ ሃገራት ዴንማርክ፥ ፖርቱጋል፥ ብሪጣንያን ኦስትርያን ገዘፍቲ ሬከርድ ሰበርቲ ኣሃዛት ለበዳ ከም እተኸስቱ ተፈሊጡ። ሽሕ’ኳ ኦሚክሮን ካብ ካልኦት ቫይረሳት ብዝያዳ ናይ ምስፍሕፋሕ ባህርያት እንተ ሃለዎ፡ ብተዛማዲ ዝሓሸ ምልክታት ከም ዘርኢ ዝፍለጥ እዩ። ይዂንምበር ጥሙር መጥቃዕቲ ደልታን ኦሚክሮን ገዚፍ ብድሆ ከስዕብ ከም ዝኽእል፡ ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣጠንቂቑ’ሎ።

እዚ እናኾነ ትማሊ ረቡዕ፡ ኣብ ፖላንድ 794 ሰባት ብኮቪድ ከም ዝሞቱን እዚ ድማ ድሕሪ ምኽሳት ራብዓይ ማዕበል እዚ ለበዳ እቲ ዝበዝሐ ኣሃዝ መቕዘፍቲ ምዃኑን ተጸብጺቡ። ሰለስተ ርብዒ ካብዞም መወትቲ ዘይተኸትቡ እዮም ኔሮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com