Friday , May 3 2024

ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት፡ ክታበት ኣስትራዚኒካ ክወስዱ ይመክር

ኮሚቴ ተመራመርቲ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ንውጽኢት ክታበት ኣስትራዚኒካ ከምእንደገና ምስ ገምገሙ፡ እቲ ክታበት፡ ነቶም ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽማግለታት ክወሃብ ከምዝኽእል  ምኽሮም ለጊሶም ክብል ጋዜጣታት ፈረንሳ ሓቢረን።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ብዙሓት ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ክታበት ኣስትራ ዚኒካ፡ ንልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት፡ ክወሃብ ከምዘይግባእ ድሕሪ ምሕባረን፡ ዝተኻየደ ገምጋም ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ተመራመርቲ ኦክስፎርድ ዮኒቨርስቲ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃብዎ ጸብጻብ፡ ቀዳመይቲ ክታበት ናይ ኣስትራዚኒካ ምስ ወሰድካ ን 3 ኣዋርሕ ዝኣክል፡ ናይ 76% ካብ መልከፍቲ ኮሮና ክከላኸለልካ ከምዝኽእል ተሓቢሩ። እዞም ክታበታት እዚኣቶም፡ ክልተ እብረ ከምዝውጋእ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com