Monday , May 6 2024

ዓልመዚ ኢራን ነበር ሓሚድ ኑሪ ንሕልፈት ማእሰርቲ ተፈሪዱ

Credit: Felicia Johansson

ኣብ ስቶክሆልም ዝርከብ ቤት ፍርዲ ይግባይ ስቬያ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ በዓልመዚ ኢራን ነበር ሓሚድ ኑሪ ዝበየኖ ፍርዲ ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ኣጽዲቑ። ኢራናዊ ሓምድ ኑሪ ብምኽያት እቲ ኣብ 1988 ኣብ ኢራን ዝፈጸሞ ጃምላዊ መርሸንቲ እሱራት፥ ኣብ ሽወደን ብገበን ቕትለትን ከቢድ ምጥሓስ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊን ተኸሲሱ፥ ብኣውራጃዊ ቤት ፍርዲ ስቶክሆልም ኣብ ወርሒ ሓምለ 2022 ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ከም እተፈረደ ዝፍለጥ እዩ፡፡ ቤት ፍርዲ ይግባይ ንኹሉ ብቤት ፍርዲ ኣውራጃ ዝተዋህበ ውሳነ እኳ እንተዘይደገፈ፡ ብሓፈሻ ምስ ኣገደስቲ ክፋላት ናይቲ ውሳነ ከም ዝሰማማዕ ገሊጹ’ሎ። ኑሪ ነቲ ገበናት ኣይወዓልክዎን እዩ ዝብል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com