Saturday , May 4 2024

ዘሕጋዊ ሰደድ መካይን ምስ ኣህጉራውያን ጉጅለታት ዓሎቕ ዝተኣሳሰር እዩ ተባሂሉ

Credit: Caisa Rasmussen / TT

ብዘይሕጋዊ ካብ ሽወደን ናብ ናይጀርያ ዘገልገላ መካይን ኣብ ምልኣኽ ዝተዋፈሩ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ኣህጉራዊ መርበባት ዓሎቕ እውን ከም ዝነጥፉ ተሓቢሩ። ዘገልገላ መካይን ሽወደን ናብቲ ብብዝሒ ዝጥለባሉ ዘለዋ ዕዳጋ ናይጀርያ ንምልኣኽ ዝግበር መስርሓት ክትከታተል ዝጸንሐት ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን፥ ብፍላይ ዕብይ ዝበሉ ሰባት ግዳያት እዚ ዕሎቕ ይኾኑ ምህላዎም ኣጣሊላ’ላ። ሓንቲ ካብዞም ግዳያት ዮሃን ኢንግሪድ ብፍቕራዊ ዓሎቕ ሚልዮናት ክሮና ኣብ ልዕሊ ምኽሳራ፡ ፖሊስ ድሒሮም ገለ ክፋል ገንዘባ ኣብዚ ዘይሕጋዊ ሰደድ መካይን ናብ ዝተሳተፈ ሰብኣይ ክኸይድ ምጽንሑ ምርግጋጾም ሬድዮ ሽወደን ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com