Saturday , May 4 2024

ዝለስለሰ ናይ ቅድሚት ኣካላት ዘለወን መካይን ጽዕነት ህይወት ከድሕና ይኽእላ እየን ተባሂሉ።

Credit: Victor Jensen/Sveriges Radio, Trafikverket

ናይ ቅድሚት ኣካል ማካይን ጽዕነት ልስልስ ዝበለን ዝነውሐን ዝኸውን ብምባል ሓደ ቀዳማይ ሞዴል ኣብምድላው ከም ዝርከብ ኣብ ዮተቦሪ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ቴክኖሎጂ ቻልመርስ ገሊጹ። በዘን ክሳብ ሕጂ ዘለዋ ስርሓት ተራ መካን ምስ ናይ ጽዕነት ክጋጨዋ ከለዋ፡ እታ ተራ መኪና መብዛሕትኡ ግዜ ዝበኣስ ዕንወት ይወርዳ ጥራይ ዘይኮነ፥ ሞት ዘስዕብ እውን ና ምዃን ዕድሉ ዝለዓለ እዩ ድማ ቀታሊ ውጽኢት የስዕብ። መካይን ጽዕነት ኣብ ስታቲስቲክስ ሓደጋታት ጽርግያ ዝበዝሐ ቊጽሪ ከም ዝውክላ እዩ ዝግለጽ ብኻልእ መዳይ ኣብ ውሽጢ ዝመጻ ክልተ ዓመታት 200 ፓይለታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ውሽጢ ሓለዋ ውሽጢ ሃገር ሽወደን ክስልጥኑ ምዃኖም፥ እዚ ድማ መብዛሕትኦም ሲቪላዊ ስራሕ ዘለዎም ሰባት ዝሓቖፈ ምዃኑ ተገሊጹ። ኣብ ዩክሬን ዝኻየደ ዘሎ ኲናት ካብ ዝህቦ ኣገዳሲ ትምህርቲ፡ ወሳንነት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምዃኑ ሰራዊት ሽወደን ይሕብር። ይኹን እምበር ቅልጡፍ ምዕባለ እዚ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብብዝሒ ንምግዛእ ዘሎ ኣማራጺ ዝተሓላለኸ ዝገብር እዩ ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com