Sunday , May 5 2024

ዝላታን ኢብራሂሞቪች፡ ናብ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ተመሊሱ

ወዲ 39 ዓመት፡ ዝላታን ኢብራሂሞቪች፡ ድሕሪ 5 ዓመታት፡ ናብ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ከምዝተመልሰ፡ ኮሚሽን ስፖርት ሽወደን ሓቢሩ።

ኢብራሂሞቪች፡ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን፡ ካብ ዓመተ 2001 ክሳብ ዓመተ 2016 ኣብ ዝተጻወተሉ እዋን፡ 112 ጸወታታት ኣካይዱ 62 ሸቶታት ከምዘመዝገበ ይፍለጥ።

ኣብ ዕለት 25 መጋቢት፡ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን፡ ኣንጻር ጆርጅያ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት ድማ ኣንጻር ኮሶቮ፡ ዕለት 31 መጋቢት ድማ ምሕዝነታዊ ጸወታ ኣንጻር ኢስቶንያ ግጥማት ከተካይድ ምዃናን፡ ኢብራሂሞቪች ድማ ኣብዘን ግጥማት ንኽሳተፍ ዕድመ ረኺቡ ኣሎ። በዚ ድማ፡  ኢብራሂሞቪች፡ ኣብ ታሪኽ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን፡ እቲ ብዕድመ ዝዓበየ ተጻዋታይ ክኸውን እዩ።

ኢብራሂሞቪች፡ ልዑል ብቕዓት ዘለዎ ተጻዋታይ ክዑሶ እግሪ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ሽወደን፡ ካብ ዘፍረይቶም ተጻወቲ፡ እቲ ዝበለጸ እዩ ክብል ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን፡ ያነ ኣንደርሶን፡ ገሊጽዎ።

ነዚ ዜና ምስ ሰመዐ፡ ኢብራሂሞቪች፡ ኣብ ውልቃዊ ሒሳብ ትዊተሩ፡ ‘The return of the God’ ክብል ከምዝጸሓፈ ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com