48% መረጽቲ መንግስቲ ጽቡቕ ወይ ዝሓሸ ስራሕ ይሰርሕ ኣሎ ዝብል ግምት ከም ዘለዎም ተገሊጹ፡፡ እዚ ድማ ምስ ዝሓለፈ ወርሒ ክነጻጸር እንከሎ ብ7% ወሰኽ ዘርኣየ ምዃኑ ትካል ኢንዲካተር ዘውጽኦ ኣሃዛት ኣመልኪቱ። “መረጽቲ ብዛዕባ ቁጠባን ኣባልነት ሽወደን ኣብ ኔቶን ዝያዳ ትስፉዋት እዮም” ክብል ሓላፊ ርእይቶ ኢንዲካተር ፐር ኦለስኮግ ትሪግቫሶን ይገልጽ።