Sunday , May 5 2024
Foto: Jessica Gow / TT kod 10070

ዝበዝሑ ሰባት ዝገበርዎ ምምልካት ዜግነት ሽወደን ተዛዚሙ።

አጀንሲ ኢሚግሬሽን ሽወደን ኣብዚ ዓመት ዝኣተወን ብቚጽሪ ዝበዝሐን እተባህለሉ ምምልካት ዜግነት ኣመልኪቱ ውሳነክህብ ምዃኑ ኣፍሊጡ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ዜግነት ንምርካብ ዝህሉ ናይ ትጽቢት እዋን ክሓጽር ብ ሓባሲ ንብዓት ባይቶ ሽውደን ጻውዒትን ነቐፌታን ኣብ ዝወሃበሉ ዘሎ እዋን እዩ። እንተኾነ ግና ኣብዚ እዋን እዚ ኲነታት ናብ ዝሓሸ ኣንፈት ይኸይድ ምህላዉ እቲ ኤጀንሲ ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብ 2021 ናይ 85000 ሰባት ናይ ዜግነት መመልከቲ ከም ዝረኣየ ዝገለጸ እቲ ኤጀንሲ እዚ ቊጽሪ ካብ ናይ ካልኦት ዓመታት ኣዝዩ ዝበዝሐ ምዃኑ ኣመልኪቱ። ኣብ ወርሓ ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራይ 11 ሽሕ ተመሳሳሊ ሕቶታት ከም እተቐበለን እዚ ድማ ምስቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ እንክነጻጸር ናይ 70% ወሰኽ ምርኣዩ ወሲኹ ገሊጹ።

ክሳብ ምውዳእ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመትን 2023 ከኣ ናይ 110 ሽሕ ሰባት ናይ ዜግነት ሕቶ ከአንግድ ምዃኑ እቲ
ኤጀንሲ ሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com