Thursday , May 2 2024
Andriy Dubchak/AP/TT

ዩክሬይን ምስ ሩስያ ክትራኸብ ጻውዒት ኣቕሪባ።

ኣብ ዶባ ተኸሲቱ ዘሎ ጸጥታዊ ቅልውላው ኣመልኪታ ምስ ሩስያን ካልኦት ወሰንቲ ኣባላት ጒጅለ ጸጥታ ኣውሮጳን ርክባት ክግበር ጸዊዓ። ሩስያ ኣብ ዶባት ዩክሬይን ገዚፍ ሰራዊት ዘጸግዓትሉ ወግዓዊ ምኽንያት ምንጋር ምእባያ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ዩክሬይን ድሚትሮ ኩሌባ ኣመልኪቱ። እዚ ኣብ ዝኾነሉ ኲነታት ዘሎ ብሕታዊ ኣማራጺ ኣብ ዝቕጽል 48 ሰዓታት ንተግባራት ሩስያ ብግልጽነት ዝዝቲ ኣኼባ ምጽዋዕ እዩ ኢሉ’ሎ። ሩስያ 100 ሽሕ ዝግመት ሰራዊት ናብ ዶብ ዩክሬይን ኣጸጊዓ ዘላ ነታ ሃገር ናይ ምውራር መደብ ስለዘለዋ ምዃኑ እዚ ወራር ድማ ኣብ ዝዕነ እዋን ክኽሰት ከም ዝኽእል ብርክት ዝበላ ምዕራባውያን ሃገራት ክገልጻ ጸኒሐን ኣለዋ። እዚ ወራር ሩስያ ብ ኣብ ዝኾነ እዋን ብደብዳብ ኣየር ክጅመር ከም ዝኽእል ድማ እየን ዝገልጻ። ዛጊት 12 ዝኾና ሃገራት ኣባላት ኤምባሲአን ካብ ዩክሬይን ይስሕባሉ ኣብ ዘለዋሉ እዋን ኣመሪካ እዋን ኣብ ዝቕጽላ 48 ሰዓታት ኣባላት ኤምባሲኣ ንምስሓብ ትዳሎ ምህላዋ ንሰለስተ ምንጪታት ብምጥቃስ CBS ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com