Sunday , May 5 2024

ደሃይ ምስግጋር ተጻወቲ ዓለምና

1 ፓውሎ ዲባላ ናብ ርያል ማድሪድ። ዓባይ ክለብ ርያል ማድሪድ ቶኒ ክሩስ ወይ ኢስኮ ኣካል ምስግጋር ብምግባር ን ኣርጀንቲናዊ  ፖውሎ ዲባላ ምስኣ ንምጽንባር ምንቅስቓስ ጀሚራ።

2. ክለብ ባርሶሎና ን ፖርትጋላዊ ኣባል ክለብ ማንቸስተር ሲት በርናንዶ ሲልቫ ምስኣ ንምጽንባር ሕቶ ኣቕሪባ። እዚ ወዲ 23 ዓወት ፖርትጋላዊ ሎሚ ዓመት ኣብ ምክፍፋል ማንቸስተር ሲቲ ምስ መንእሰይ ፎደን ጹቡቅ ምንቅስቓስ ዘንጸባረቀ ኮይኑ የዕንቲ ባርሳ ካብ ዝረኸበ ሓደ እዩ። ኣብዚ መስርሕ ምስግጋር ባርሰሎና ንኔልሰን ሴሜዶ ኣካል ምስግጋር ክትገብሮ ሓሳብ ከምዘለዋ ሓቢራ።

3, አርሰናል ን ወዲ 22 ዓመት ኣብ መስመር ምኽልኻል ፈረንሳዊት ሊል ዝጻወት ጋብሬል ማግሃሊስን ንምፍራም ኣብ መፈጸምታ ንምብጻሕ ተቃሪባ ክትብል ሜረር ትገልጽ።

4, ክለብ ላዝዮ ን ዴቪድ ሲልቫ ብ ነጻ ከምዘሰጋገረቶ ኣብዚ ሰሙን ወግዓዊ ክትገብሮ እያ።

5. ኤስ ሚላን ንተኸላኻላይ ማን ዩናይትድ ኤሪክ ቤይሊ ብልቓሕ ንምፍራም ሕቶ ኣቕሪባ።

6. አትሌቲኮ ማድሪድ ብ20 ሚልዮን ፓውንድ ን ሃሜስ ሮድሪጌዝን ምስ ሪያል ማድሪድ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሔትን ዝመጽእ ሰሙን ወግዓዊ ከምትገብሮ ሓቢራ።

7, ክለብ ፒኤስጂ ን ወዲ 21 ዓመት ኣከፋፋሊ  አርሰናል  ማቲዬ ጉንዶዚን ምስኣ ክጽንበር ከምትደልይ ሓቢራ፡፡ ጉንዶዚ ምስ አርሰናል ብምኽንያት ጠባይ ጹቡቅ ከምዝየለ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ ነዛ ክለብ ክገድፋ ከምዝደልን ብምተወሳኺ ባርሴሎና ን ቪላርያልን ተገዳስነት ዘለወን ኮይነ ቀርበን ከምዘለዋ ደይሊ መረር ትሕብር፡፡

8. አርሰናል ን ኣከፋፋሊ ክለብ ማርሴ ሞርጋን ሳንሶንን ንምስግጋር ድልየት ከምዘለዋ ትሕብር፡፡ ብተወስኺ ሳንሶን ብክለባት  ቶተንሃምን  ዌስትሃምን ይደለ ከምዘሎ ይንገር፡፡

9, ፈረንሳዊ ኣጥቃዓይ አርሰናል  አሌክስአንደር ላካዜት ኣብዚ መስርሕ ምስግጋር ኦባሚያንግ ሓድሽ ውዕል ምስ አርሰናል እንተድኣ ፈሪሙ ሙሉእ ናይ ምስልፋ ዕድል ንምርካብ ብ£30M ናብ አትለትኮ ማድሪድ ከምዝኸይድ ተረጋጊጹ።

10 ክለብ ቼልሲ ን 22 ዓመት ተኸላኻላይ ክለብ ብራይተን  ቤን ዋይትን ንምፍራም ቅልስ ምስ ክለባት ሊድስ ኤቨርተን ቼልሲ ሊቨርፑል አርሰናል ማን ዩናይትድ ጀሚራ፡፡ እዚተኸላኻላይ ዝሓልፈ ዓመት ብልቓሕ ምስ ክለብ ሊድስ ዩናይትድ ጹቡቅ ግዜ ዘሕለፈን ኣብ የዕንቲ ዓበይቲ ክለባት ክኣቱ ዝኸኣለ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com