Friday , May 3 2024
South African President Cyril Ramaphosa (AP Photo/Themba Hadebe) XTH115

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ልዕሊኣ ዝተጻዕነ እገዳ ጒዕዞ ክለዓል ጸዊዓ

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሲሪል ራማፎሳ፡ ነቲ ብሰንኪ ሓድሽ ጅር ቫይረስ ኮሮና ኦሚክሮን ኣብ ልዕሊ ሃገሩን ጐረባብታን እተጻዕነ እገዳ ጒዕዞ ኮኒኑ።

ንሱ በቲ ናይ እገዳ ተግባር “ኣዝዩ ከም ዝሓዘነ” ድሕሪ ምግላጽ፡ ዘይፍትሓዊ ውሳነ ብምዃኑ ብዝቐልጠፈ ክለዓል ጻውዒቱ ኣቕሪቡ’ሎ።

ኣመሪካ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ብሪጣንያን ሓዊስካ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ደቡብ ኣፍሪቃ እገዳ ጒዕዞ ከም ዘንበራ ዝፍለጥ እዩ። ሓድሽ ጅር ኮሮና ዝኾነ ኦሚክሮን፡ ዘሻቕል ዓሌት ቫይረስ ምዃኑ ክጥቀስ ጸኒሑ’ሎ። ብመሰረት ሓደስቲ ጸብጻባት፡ እዚ ጅር፡ ልዑል ናይ መልከፍቲ ተኽእሎ ዘለዎ ቫይረስ እዩ።

ኦሚክሮን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ከም እተዳህሰሰን ናብ ውድብ ጥዕና ዓለም ከም እተሓበረን ዘመልከተ ጸብጻብ ቢቢሲ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዙሓት ሰባት ለኺፉ ምህላዉ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ብፍላይ ኣብታ ብብዝሒ ህዝባ እትፍለጥ ኣውራጃ ጎቴንግ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት ጥራይ፡ ብዙሓት ሰባት በቲ ቫይረስ ከም እተለኽፉን ኣብዚ እዋን እቲ ቫይረስ ኣብ ኲለን ኣውራጃታት ኣስፋሕፊሑ ምህላዉን ይፍለጥ።

ሎሚ ሰኑይ እውን፡ ጃፓን፡ ዜጋታት ናብታ ሃገር ከይጓዓዙ እገዳ ኣንቢራ ኣላ ተባሂሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com