Saturday , May 4 2024
Denmark is basically lifting all its coronavirus restrictions (Gregor Fischer/dpa via AP)

ዴንማርክ፡ ኲሉ መምርሒታት ኮሮና ኣልዒላ። 

ካብ ትማል ሰሉስ ኣትሒዙ ንዴንማርክ ዝኣቱ ሰብ መርመራ ኮቪድ ክገብር ኣለዎ ዝብል ሕጊ ለበዳ ክለዓል ምዃኑ ተገሊጹ። 

ካብቲ ዝጸንሐ መምርሒ፡ ናብ ዴንማርክ ዝኣትዉ ሰባት ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ናይ ኮሮና መርመራ ክግበረሎም እትብል ክሳብ ትማል ተግባራዊት ኮይና እያ ጸኒሓ። ዝተረፈ ካልእ ኣካል ፓከጅ መምርሒታት ካብ ባሕቲ ወርሓ ለካቲት ኣትሒዙ ከም እተላዕለ ዝዝከር እዩ። 

እዚ ናይ ክትባት ረቛሒ ነቶም ክትባት ዘይወሰዱ ወይ ኣቐዲሞም ዘይተለኽፉን ካብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረትን ሸንገንን ወጻኢ ንዝመጹን ገያሾ ዝምልከት እዩ ኔሩ። 

እዚ ረቛሒ ክተርፍ እኳ እንተተገብረ ኲነታት ለበዳ ኮሮና ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ኣብ ትሕቲ ክትትል ምህላዉ ከም ዝቕጽል ሚኒስተር ጥዕና ዴንማርክ ኣመልኪቱ’ሎ። 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com