Sunday , May 5 2024
jordan-whitt-H07Act0XaGY-unsplash.jpg

ድሕሪ ሕርሲ ንዘጋጥሙ ናይ ኣእምሮ ሽግራት እዂላት መደባት የለዉን ተባሂሉ።

ድሕሪ ሕርሲ ናይ ኣእምሮ ጸገም ንዘጋጥመን ቦካራት ፍሉይ ናይ ክንክን ውጥን ዘለወን ዞባታት ብቚጽሪ ዝወሓዳ ምዃነን ተገሊጹ። እዚ ጸብጻብ ብ ካሊብር ዝተባህለ መርማሪ ፕሮግራም ሬድዮ ሽወደን ዝቐረበ ኮይኑ እታ ፕሮግራም ናብ ሰብ መዚ ጥዕና እተን ዞባታት ዳህሳስ ምልኣኻን ዝበዝሓ ካብኣተን እታ ኣደ ኣብ ክንክን እውን እናሃለወት ምጥባው ን ምስቲ ዕሸል ግዜ ምሕላፍን ኣለዋ ዝብል ርእይቶ ከም ዘለወን ምግላጸን ሓቢራ። ድሕሪ ሕርሲ ዘጋጥም ጭንቀት ናብ ምምዝባል ኣእምሮ፡ ጎነጻዊ ምቅይያር ባህርያት ብእኡ ኣቢሉውን ናብ ነፍሰ ቕትለት ክመርሕ ከም ዝኽእል ክኢላታት ሕክምና ኣእምሮ የመልክቱ።

ካብ ንሕክምና ዝምልከት ዜና ከይወጻእና ናብ ሽወደን ዝኣተዉ ስደተኛታት ዩክሬይን ብዝተኽእለ ፍጥነት ናይ ጥዕና መርመራ ክግበረሎም ምዃኑ ተሓቢሩ። እንተኽዕነ ግና ካብተን 18 ዞባታት እተን 11 ኣብ ውሽጢ ክልተ ሳምንታት ናይ መርመራ ኣገልግሎት ክህባ ኣይክእላን እየን ብመሰረት ዳህሳስ ኣገልግሎት ዜና TT. ካብ ህዝቢ ዩክሬይን እቲ ሓደ ሲሶ ጥራይ ኣብ እዋን ምጅማር ወራር ሩስያ ክትባት ኮቪድ-19 ወሲዱ ምንባሩ ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com