Saturday , May 4 2024

ድሕሪ ምስግጋር ሓላፍነት፡ ምምሕዳር ከተማታት ቀዳሞት ሰፈርቲ ዩክሬናውያን ተቐቢለን።

ካብ ባሕቲ ሓምለ ኣትሒዙ፡ ምዕሩይ ምቕርሐ ስደተኛታት ክህሉ ተባሂሉ ሓድሽ ሕጊ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ቀዳሞት ስደተኛታት ዩክሬይን ኣበየናይ ምምሕዳር ከተማ ክነብሩ ምዃኖም ከም እተነግሮም ተገሊጹ። ኣብ ክንዲ ኤጀንሲ ስደተኛታት፡ ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን ሓላፍነት ምውዳብ ኣባይቲ ምውሳዱ ዝፍለጥ እዩ። ዛጊት 3000 ስደተኛታት ዩክሬይን ብኤጀንሲ ስደተኛታት  ኣቢሉ ኣበየናይ ምምሕዳር ከተማ ክነብሩ ምዃኖም ከም እተነግሮም፡ ጸብጻብ ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪቱ’ሎ። ብጠቕላላ 10,000 ስደተኛታት ዩክሬይን፡ በዚ ሓድሽ ሕጊ ክጽለዉ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ብዘይ ሓገዝ ኤጀንሲ ስደተኛታት ናይ ገዛእ ርእሶም መጽለሊ ዘዳለዉ ስደተኛታት ዩክሬይን፡ በዚ ሓድሽ ሕጊ ከም ዘይቅየዱን ኣብ ዘለዉዎ ክጸንሑ ከም ዝኽእሉን ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com