Friday , May 3 2024

ድምጻዊት ፌቨን ጸጋይን ትዕዝብተይን፡ጽሓይን ወርሕን ዘይጠልም ኪዳን ስነ-ጥበብ።

መም Joሲ ወዲ ወርቀ

መእተዊ ክኾነኒ ኣብ 2019፡ኣብ 2ይ ሰሙን ናይ ወርሒ ሰነ፡ ኣስታት 7650 ፍሉጣት ዓማዊል ምስ ዘለዉዋ፡ኣስመራ ምስ ዝመደበራ ናቲ ቲቪ(NatiTv )ዝተሰመየት ናይ ዩትዩፕ ቻነል፡ ኣብ ክልተ ክፋላት ብምክንያት “ዒድ ኣልፈጥር” ምስ ኣቅራቢት መደብ ሳቤላ ካብ ዘካየደቶ ቃለ-መሕተት፡ ኣብ ግዚኡ ተኸታቲለዮ ነይረ። ተስፋ ገብር ብዙሓት ኣፍቀርቲ ስነ-ጥበብ ተኸታቲልኩሞ ክትኳኑ። ቅድሚ ናብቲ ናይ ውልቀ ትዕዝብተይ ምሕላፈይ፡ንገለ ሓቕታት ድሕረ ባይታ  ብዛዕባ ስነ-ጥበባዊት ፌቨን ጸጋይ፡ካብቲ ቃለመሕተት ዝሰማዕኹዎን ዝፈልጦን ጆባእ ክብለኹም።

● ዘይዝውቱር ሳጓ- ኣደብ

● ኩነታት ሓዳር- በዓልቲ ሓዳር

● ብዝሒ ውላድ- ሰለስተ

● ዝተመሃረትሉ ቤት ትምህርቲ፥ መባእታ ጎዳይፍ፡ ማእከላይ ደረጃ ባና(ጎዳይፍ)፡ 2ይ ደረጃ ደን-ደን

● ንፈለማ ናብ መድረኽ ሒዛታ ዝቀረበት ደርፊ፡” ኣነ ውልዶ ኢየ” ናይ ድም ኣበባ ሃይለ

● ብዝሒ ኣልብም- 3 (እታ 1ይቲ ምስ ስነ-ጥበበኛ ግርማይ ዓንዶም፡2ይቲ ወሰን፡ 3ይቲ ናተይ ኢኻ )

■ ትፍትኖ ሙዚቓ- ጊታር

■ ዝደረፈቶ ቅዲ ሙዚቃ፡ ጓይላ፡ስታሊለ፡ዝሑል

■ ትፈትዎ ቅዲ ሙዚቃ፡ ዝሑል

■ ንምርኢት ዝወጸትሉ ሃገር- ሱዳን (ካርቱም)

■ ካብ ኤርትራውያን ወጻኢ ተድንቆም ደረፍቲ

♡ቋንቋ ኣምሓርኛ- ድምጻዊት ፍቅር ኣዲስ

♡ ቋንቋ ትግርኛ- ድምጻዊት ማህሌት ገብረገርግስ

■ ምስ ካልኦት ኮይና ዝዓየየቶ ስነ-ጥበባዊ ስራሕ

♡ ምስ ድምጻዊት ሰናይት ኣሚነ(ክንደይ ይጽብቕ ባንዴራኺ)

♡ ምስ ድም ተስፋይ መሓሪ(ፍሒራ) (ባንዴራይ ተዛረቢ)

♡ ምስ ድምጻዊ እስቲፋኖስ ኣብርሃም(ገመለይ)

♡ ምስ ተስፍኣለም ኣረፋይነ(ቆርጫጭ) ኤርትራ ዓደይ

♡ ምስ ድም ተመስገን ያሬድ (ኣይኮነክንየ)

♡ ምስ ድም ባጀት መሓሪ(የለኹላን ኣነ)

■ ዝደረፈትለን ድራማታት

♧ ዘይተደምሰሰ ህይወት

♧ ኣባ ኮብራ

ፌቨን ጸጋይ ብርክት ንዝበሉ ዓመታት ከም ድምጻዊት ኮይና ዝዓየየትን እትዓይይ ዘላን ስነ-ጥበበኛ ኮይና፡ ኣብ’ታ ብሚንስትሪ ትምህርቲ እትእለ፡ ንኸም በዓል ስነ-ጥበበኛ ግርማይ ዓንዶም፡ሮቤል ሚካኤል፡ ሮቤል ሃይለ፡ ኣኽሊሉ መብራህቱ፡ ሰናይት ኣሚነ ከምኡ ድማ ቤቲ ኣፈወርቂ ከም ደረፍቲ፡ ንኸም በዓል ዩኤል፡ዮሴፍ ኣሚነ ፡ሻም ቃልኣብ

ዝኣመሰሉ ሙዚቐኛታት ብምዃን ኣብ ጉጅለ ባህሊ ኣሰር ብጥርኑፍ ካብ ዝዓበዩን ዝዓበያን ፡ ኣብ ዘመናዊ ሙዚቓ ሃገርና ክንሰምዖም ካብ ዝበቅዓና ንፉዓት ኤርትራውያን ደረፍቲ ሓንቲ ኢያ። ፌቨን ብዘይካ ደርፊ፡ ምስ ጊታር ውን ጽቡቅ ሌላ ከምዘለዋ ቅድሚ እዚ ቃለ-መሕትት ሓበሬታ ነይሩኒ።(ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኣብ ፈይስቡክ ጽሒፈዮ ነይረ) ከምኡ’ውን ብዘለዋ ተፈጥሮኣዊ ጽባቐን ስነጥበባዊ ህቡብነትን ትካላት ኣብ ምፍላጥ’ውን ሓሓሊፋ ትሰርሕ ምንባራ እዝክር። ብዘይካ’ዚ ብዙሕ ዘየዕገባ ስራሕ ምውሳእ’ውን፡ ኣብ ክልተ ፊልምታት ብምፍታን ምስ ተዓዘብቲ እኳ እንተተላለየት፡ዘይዓውዳ ምኳኑ ብምእማን ግን ኣይተመለሰቶን። ብተወሳኺ ድምጻዊት ፌቨን ናይ ቀደም ዝሑል ደርፍታት ብምድጋም’ውን ፡መንእሰያት ንክንላለዮም ጽቡቕ ኣበርክቶ ገይራ ኢያ።

ድምጻዊት ፌቨን ጸጋይ ርጉድ ዝበለ ድምጺ እትውንን ኮይና፡ ኣብ ስትድዮ ዝምላእ ድምጻ ኣዝዩ ጥዑም ምኳኑ ዝሓለፈ ስርሓ ብምስማዕ ክንምስክር ንክእል። እዛ ኣብ ፍቅሪ ንዘለዋ ጎራዙት ”ወድኣለይ” ብምባል ናብ መርዓ ከቋምታ እትመክር፡ ንኣፍቃሪኣ ”ሓቢቢ፡ናተይ ኢኻ፡ንጉሰይ ፡ወለላይ” ብምባል ተደንቕ፡ ”ፈቴካ” ምባል ቀልዓለም ከይህሉ ኣብ ፍቅሪ ተዘኻኽር፡” ጽሩራ” ብምባል መዓርግ ፍቅሪ እትልግስ፡ ኣብ ፍቕር ጎንጺ ከምዘሎ ንቡር ወሲዳ”ስምዓኒ ፍቕረይ፧” ብምባል ርእይቶኣ ሓሳባ ተካፍል፡ ምርር ምስ ዝብላ ድማ ” ኣሚንኻ ምጥላምኻ” ኣይግድን ብምባል ብቃንዛ ፍቅሪ እተማርር፡ ስጉምቲ ንምውሳድ ” ምሳኻ ምዛር” ገዲፈዮ ብምባል ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ፍቅሪ እትወጽእ ድምጻዊት ኢያ። መዓስ ንሱ ጥራሕ፡ኣብ ናብራ ”ተጻወር” ብምባል ህይወት መጻመድታ እተበርትዕ በዓልቲ ቤት፡ ”ኤርትራ ዓደይ” ብምባል ፍቅሪ ሃገራ ዘይትሓብእ ፍጥረት ኢያ። መዓስ ንሱ ጥራሕ፡ብዛዕባ ህይወት ካልእ ሰብ ንዝዛረባ ኣዋልድ ”ናተይ’ዩ እቲ ጉዳይ” ብምባል እትገንሕ ፡ ኣብ ህይወት ”በጃኻ ፍቅሪ” ብምባል እትልምን፡ ዝርዳእን ዝሰምዕን ምስ ረኸበት ድማ ” ከምዚኣ’የ ደልየ” ብምባል ከም ህጻን እተሰራስርን ንኣድነቕታ እተሰራስርን ኢያ ድምጻዊ ፌቨን።ንብዙሕ ኩርንዓት ህይወትና ዝፍትሽ፡ኩሉ ዓይነት ስሚዕታት ዝገልጽ ብርክት ዝበሉ ደርፍታት ናብ ኣኣዛን ሰማዕቲ ዘብጽሐት ምቕልልቲ ፡ዓይኒ ሓፋር ድምጻዊት ምኳና’ውን ብቀረባ ምስሓ ዝሰርሐ ሙዚቀኛ መርሃዊ (ባውዛ) ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ዘዕለለኒ እዝክር።ይኹን ምበር ምስ እዚ ኩሉ ዓቕማ፡ፌቨን ኣብ እተቅርቦም ቀጥታዊ ምርኢት(LIVE) ግን ፡ክሳብ ሎሚ ተዓዘብቲ ከምቲ ዝድለ ክተዐግብ ዘይምክኣላ ከም ሓደ ድኹም ጎድኒ ፌቨን ክርእዮ ይክእል።በዚ ኣጋጣሚ ድማ ኣብዚ መዳይ’ዚ ኣበርቲዓ ክትዓይዪ እላበዋ።

ንሎሚ ምስ ድምጻዊት ፈቨን ኣራኪብኒ ዘሎ ትዕዝብቲ ግን ፍልይ ዝብለ ትሕዝቶታት ደርፍታታ ኢዩ። ንኹሉ ደርፍታት እኳ ክድህስሶ እኹል ግዜ ተዘይረኸብኩ፡ ፌቨን ካብ ዘዘየመቶም ደርፍታት ሓደ ደርዘን ዝኣክሉ ደርፍታታ ብምሕራይ ጽሓይ፡ወርሒ፡ሰማይ፡ኮኾብ፡ ብሓፈሻ ተፈጥሮ ብምድናቅ እተዘይሞም፡ቡዙሕ እዋን ምርኣየይ ኣመና ስለዝመሰጠኒ ትዕዝብተይ ናባኹም ከብሎ ኢየ።ስለምንታይ ፌቨን ብዙሕ ኣዋን “ጽሓይ፡ኮኾብ” ትደጋግም፧ ዝብል ሕቶ ካብ ድምጻዊት ፌቨን ወይ ነዚ ግጥምታት ሰሪሖም ዝሃብዋ ክምለስ ዝክእለሉ ኣጋጣሚ እኳ እንተዃነ፡ንግዚኡ ግን መልሲ ኣይረኸብኹን። ንሓያሎ ካብ ደርፍታታ ዝሰርሐ ስነ-ጥበባዊ ሃብቶም የማነ ንምርካብ ዘካየድክዎ ፈተነ፡ውን ኣይሰለጠንን።የንእግረ መንገደይ ግን ድምጻዊት ፌቨን ምስ ፍቕርን ረቒቕ ትርጉሙን ኣብ ብርክት ዝበሉ ደርፍታታ፡ ብዝተፈላለዩ ገጻት ደሪፋ ምዃና’ውን መብዛሕትኹም ተቅልብሉ ጉዳይ ኢዩ ኢለ ይኣምን። ”ስምዓኒ ፍቕሪ፡ በጃኻ ፍቅሪ፡ንፍቕሪ ከም ሕማም፡ፍቕሪ በይነይ” ድማ ከም ኣብነት ክንወስድ ንክእል።ናብ ቀንዲ ዛዕባይ ግዳ ክመልሰኹም። እተን ደርጸን ደርፍታት ፌቨን ፡ ንሎሚ ዝሓረኽወን ኣዘን ዝዕባ ኢየን።

■ ኣርእስቲ ደርፊ-ኤርትራ ንፈለማ ግዜ 24 ግንቦት ኣብ ስታድዮም ኣስመራ ምስ ድምጻዊት ሰናይት ኣሚነ ናብ ህዝቢ ዘቅረበታ ደርፊ ኢያ።

“ጽሓይ ኩንለይ ጋሕ ጋሕ ክወፍር

ወርሒ ኩንለይ ድቅስ ክሓድር “ብምባል ድማ ትምኒታ ብምግላጽ፡ ንፈለማ ምስ ህዝቢ ክትላለ ክኢላ።

■ ኣርእስቲ ደርፊ- እዛ ጽሓይ ኣብ ኣልብም “ናተይ ኢኻ” ዘላ ደርፊ ኮይና፡ምሉእ ትሕዝትኣ ኣብ 2014 ኣብ ዩትይፕ ተጻዒና ቀሪባ ኣላ።

እዛ ጽሓይ ናበይ ነቂላ፡ድሕሪ ጎቦ ትክወል ኣላ

ፍቅሪ ውሽጠይ ከይገለጽኹላ፡ናበይ ነቒላ፧ https://youtu.be/UxqBhzkOZIM

■ ኣርእስቲ ደርፊ -ወለላይ

ከም ከኾብ ናይ ቀትሪ፡ኣርኣይኡ ጽሓይ

ከም ብርሃን ናይ ለይቲ ፡ብሓቂ’ዩ ወርሐይ https://youtu.be/D88FY0BkKjc

■ ኣርእስቲ ደርፊ-ወስን

ወስን እንዶ ትዓርብ ኣላ እታ ጽሓይ

ወስንዶ ይመረኒ ኣሎ ምጽባይ

ወስን’ዶ(3)…… https://youtu.be/tado5OCXkrQ

■ ኣርእስቲ ደርፊ-ህያው ኢኻ 2012

ወርሒስ በቃቅያ ትሓብእ ብርሃና

ንስካ ግን ጽሓይ ዋጋ ብርሃን ፍቅራ

መዳርግቲ ኣልቦ የብልካን መዘና https://youtu.be/jwyTH3xpvtE

■ ኣርእስቲ ደርፊ-ዓይኒ ምስ ሓዘ

መሬት ዓይኒ ምስ ሓዘት ኣጋምሸት

ኩሎም ስድራይ ምስ ደቀሱ……

ኣብ ኣፈና(2) ነዛ ናተይ ሓዳሽ ሌላ

እታ ወርሒ (2)ሰማይ ቅልቅል ኢላ

ሕራይ ክብሎ (2) ትርሓሰና

ኣነን ንሱን ኣብዛ ለይቲ ወርሒ ትኹን መንጎኛና

■ ኣርእስቲ ደርፊ- ኣንታ ዕባይ ሸኻየ

ኣንታ ዕባይ ሸኻየ(2)

ብርሃን ብራቕ ጽሓየ

ኣማስያ ክብሉኻ

ሕራይ በሎም ሕራየ

https://youtu.be/zii1c_qn4Nc

■ ኣርእስቲ ደርፊ-ፍቅሪ በይነይ

ፍቅሪ በይነይ ናይ ልበይ ትዝታ

ሓብረኒ ዘለኻዮ ቦታ

ጽሓይ ህይወት ኣብ በይነይ ጸልሚታ https://youtu.be/KH-KruwRrUY

■ ኣርእስቲ ደርፊ- ደንዳኒ(ኣብ 2011 2ይቲ ዕውቲ ደርፊ)

ሙኩሕ እንዲኻ ደንዳኒተፈታዊየ ባሃሊ

ንስኻ ወርሒ ክትጽበ፡ኣነ ኮኾበይ ይደሊ https://youtu.be/lKcxXNfdN6k

■ ኣርእስቲ ደርፊ-ንፋለጥ’ዲና፧ ናይ 2017 ስርሓ ኢያ።

ኣጋምሸት ኣጋ ጽሓይ ዕራብ

ማይ ሃሪሙ ይጎይይ ብዘብዘብ

ካብቲ ጠሊ ካብቲ ውሽጢ ዝናብ

ኣቅሊበልካ ብድሕረይ ክትስዕብ

ይፈልጦ ድየ ኢለያ ንነብሰይ

ከሰላስል ጀብጂበልካ ማይ https://youtu.be/_FtmyrOdUfA

■ ኣርእስቲ ደርፊ- ባንዴራይ ተዛረቢ እዛ ደርፊ ምስ ድምጻዊ ተስፋይ መሓሪ(ፍሒራ) ዝሰርሐታ ደርፊ ኢያ።

ካብ ፈለማ ዕድመይ

ክሳብ ዘለኹ መዋእለይ

ሂብያ እንድየ ኩሉ ሕሉበይ ንጹፈይ

ነቲ ሓድጊ ሰማይ ነቲ ብራቕ ጽሓይ

በልበል ትበለሉ ሰንደቀይ ባንዴራይ https://youtu.be/-WgXede5q9Y

■ ኣርእስቲ ደርፊ-ንደሰት ኣብ 2018 ዝተሰርሐት ያታውን ዘመናውን ዝመስል ሕውስዋስ ዓይነት ደርፊ ኢያ። እዛ ኣብ Eri Beats ዝተዘርግሐት ደርፊ እዚ’ኣ’ውን፡ፌቨን “ጽሓይ” ካብ ምባል ክትሓልፍ ኣይመረጸትን። ኣብ መእተዊ ድማ ከምዚ ትብል…..

እንታይ እዋኑ ዝእዋን ከመይ ድኣሉ እዚ ግዜ

ኣሻባ ጽሓይ በሪቓ፡ኣሻቡ ዓይኒ ናሓዘ

ሎሚ ዘይንድስተ፡ሎሚ ዘይንጻወተ https://youtu.be/pDsAdiNImTU

ብዘይካ’ዚ ኣብ 2019 ኣብ ዘውጽአታ “ህያበይ” ትብል ኣብ “ህድሞና ነባሪት” ዩትዩፕ ቻነል ዝተዘርግሐትን ፡ክሳብ ሕጂ ኣስታት 590 ሽሕ ግዜ ሰማዕቲ ዝረኸበት ደርፋ’ውን፡ ንጽሓይ ብኮኾብ ቀይራ መጽያ ምህላዋ ኣቅሊበ ኣለኹ።ንገለ ካብ ትሕዝቶኣ ኣብ መበል 1፥27 ደቒቕ ድማ ከምዚ ትብል።

ርባሕ…..ርባሕ

ኮኾብ ሰሜን ፍቅሪ ዘምርሐ

ስልማተይ ቤተይ ዘድመቀ……. ብምባል ምስ ተፈጥሮ ዘለዋ ፍቅሪ ካብ ምትሕሓዝ ዓጋቲ ኣይረኸበትን። https://youtu.be/aN-lfXL8KaM

እዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዎ 13 ደርፍታት ካብ ዝዝክረን እየን ምበር፡ብዙሓት ደርፍታት ጽሓይ፡ኮኾብ፡ሰማይ፡ለይትን ምሸትን ዝብላ ቃላት ዝሓዘ ትሕዝቶ ደርፊ ፌቨን ክህሉ ከምዝክእል ርግጸኛ ኢየ። ብወገንኹም ድማ ርእይቶኹምን ትዕዝብትኹምን ክትውስኹ ከምትክእሉ ክሕብር እፈቱ።

ኣብ መዛዘሚ ንድምጻዊት ፌቨን ጸጋይ ምስ ምሉእ ስድራቤታ ሰሰናዩ እናተመነኹ፡ኣብ ዝመጽእ ሓድሽ ዓመት 2020 ድማ ምስ ፍቅሪ ጽሓይ ከይተባተኸት ጽቡቕ ትሕዝቶ ዘለዎ ደርፊ ሒዛ ክትመጽእ እትስፎ። ንሎሚ ዘበልክዎ ኣብ’ዚ ናደምደምኩ፡ምስ ሓንቲ ካብ ደርፍታት ድምጻዊት ፌቨን ፡ ኣብ ፊልም “ኣባ ኮብራ ” ዝደረፈታ ክገድፈኩም። እዛ ደርፊ ትህበኒ ፍሉይ ስሚዒት ክሳብ ዘካፍለኹም፡ ምስ ገለ ክፋል ካብ ትሕዝቶኣ ናባኹም ከብላ።

ኣንታ እዞም ዓድና ሕራይ ‘ተበሉ ሊላየ ሊላየ

ኣንታ እዞም ስድራና ሕራይ ‘ተበሉ ሊላየ ሊላየ

ኣይኮነን ግና ኣጆኻ(2)፡ ኣጆኻ (2)ተኽላየ ተኽላየ

ናብ ዝደለኻዮ ኣሰርኻ ክስዕብ

ፍቕሪ ናኸሸንኩ ፍቕርኻ ክምገብ

ልዕሊ’ቲ ትደልዮ ክኸውን’የ ኣጆኻ

ተኽላይ ኣቦ ፍትሒ ኣምበሳ በረኻ

’ቲ ንጹህ ልቢ ናይ ግዜ ቁልዕነት

’ቲ ንጹህ ሕልና ናይ ግዜ ጉስነት

በረኻ ሓዲሩ ሰኒቑ ስብእነት

ንዓመጽ ዓሚጹ ኣዊጁ ጅግንነት

ብምባል ተኽላይ ክመጻ ከሎ ኢድ ነሲኣ ፡ሓንጎፋይ ኢላ ከምትቅበሎ ቃል ብምእታው፡ ንዓዳን ወለዳን ከምዚ ብምባል ሓቀኛ ምስሊ ተኽላይ ተውክኦም።

እኳ ዘይበልካና መንበርን ሽመትን

እኳ ዘይሰነቕካ ብድዐን ትዕቢትን

እኳ ዘይኣዘዝካ ንቡር ዘይንቡርን

ቒም እኳ ዘይጸብጸብካ ሕሉፍን ሕዱሩን ………ብምባል ፍቅርን ልቢን ንዝሓተት ፍቅርን ልብን’ዩ ዝግባእ ብምባል፡ካብ ቂምታ ክንገላገል እትመክር ደርፊ ኢያ። ልባ ኣፍቂዳ ምኳና ብምሕባር ድማ “ውሰደኒ” ብምባል ፡ብዓድን ስድራን ኣይትሰከፍ፡ ኣብ ፍቕሪ’ውን ጀግና ኹን ብዝሕመረቱ መልእኽቲ ኣቢላ፡ ሰናይ ትምኒታ ከምዚ ክትብል ትገልጽ።

ቃንዛ ትማልና ክትካእ ብባህታ

ውሽጥና ከዕለቕልቅ ብሩፍታ እፎይታ

ካልኣይ ተፈጢርካ ካብ መጻኻ ዳግማይ

ቀደም ቀዳማይ ኢኻ ሎሚ’ውን ቀዳማይ

ብወገነይ ኣእኺለ።ንፌቨን’ውን ቀደምን ሎምን ንስኺ ቀዳመይቲ ብምባል ዘሎኒ ኣድናቆተይ እገልጸላ። ምሉእ ትሕዝቶ እታ ደርፊ ኣብዚ ፈለግ ብምጥዋቅ ኣስተማቀርዋ።

ብዘይክኡ ነታ መጀመርታ ኣብ ፈይስቡክ ኣቅሪበያ ዘነበርኩ ንእሽቶ ጽሕፍቲ ምስ ኣንበባ፡ኣብ ሬድዮ ኤረና መደብ “መኣዝን ጥበባት  ” ክቅርባ ፍቃደይ ሓቲቱ፡በዚ ላዛ ዘለዎ ንባብ ብማዕበል ምስ ሰማዕትን ተኸታተልትን ንዘቅረበለይ ኣዳላውን ኣቅራብን መደብ ሽሻይ ገብረሃንስ ናመስገንኩ፡ብድምጺ ክስምዕ ንዝደሊ ድማ ኣብዚ ፈለግ ብምጥዋቕ ምኽትታል ይክኣል። https://shekortet.com/content/radio-erena-20122019

ግጥምታትን ዜማታትን ደርፍታት ፌቨን ዝበዝሑ- ስነ-ጥበበኛ ሃብቶም የማነ ክኸውን ከሎ፡ ”ንደስትን ህያበይን” ዝብላ ድማ ስነ-ጥበበኛ ብርሃነ ክፍሉ ኢዩ።

ምንጪ ስእልታት ፌቨን፡ ኣብ ገጻት ፈይስቡክ Feven Tsegay ዝብል ወግዓውነቱ ዘይረጋገጽክዎ፡ብዘይፍቃድ ዝተጠቀምኹሉ ኢዩ።

እዚ ጽሑፍ እዚ ኣብ ናይ ውልቀይ ናይ ፈይቡክ ገጽ 21 ታሕሳስ 2019 ዝቐረበ እዩ ነይሩ።ይኹን ምበር ለበዋይ ዘየዕበረት ድምጻዊት ፌቨን ጸጋይ፡ሕጂ’ውን ስነ-ጥበበኛ ሃብቶም የማነን ኣቦ ደቓን ዝገጠማን ዘዜማን ሓዳስ ደርፊ “ውሰደኒ” ትብል ሒዛ ብምምጻእ፡ምስ ጽሓይን ወርሕን ዘለዎ ዘይባተኽ ኺዳን ኣሓዲሳ ኣላ።፡” ክንዲ ወርሒ ክንዲ ብርሃን ጽሓይ፡ፍቕርኻ’ዩ ክንዲ ኹሉ ንዓይ” ብምባል ኣብዛ ሓዳስ ደርፋ ኣብ መበል 1:20 ደቒቕ ቅልቕል ኢላ ኣላ።https://www.youtube.com/watch?v=Yy0GJtnRtyw

መም Joሲ ወዲ ወርቀ

ሰሜን ሽወደን

ኔልደን 20191220


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com