Thursday , May 2 2024

ድጎማ ዝግበረሎም ዕዮታት ዘሎ ምቊጽጻር ልሕሉሕ እዩ ተባሂሉ

Arbetsförmedlingen Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

መንግስቲ ንገለ ክፋል ደሞዝ ኣብ ዝኸፍለሉ ብ ድጎማ ዝካየድ ስራሕ ዝግበር ቊጽጽር እኹል ኣይኮነን ተባሂሉ። ነዚ ዝገለጸ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ኦዲት ኮይኑ፡ ኣስራሕቲ ነቲ ስርዓት ንረብሓኦም ብዘይግቡእ ክጥቀሙሉ ከምዝኽእሉ ኣብ ሓድሽ ጸብጻቡ ኣተሓሳሲቡ’ሎ። መብዛሕትኡ ጸገማት ነቲ ንነዊሕ እዋን ስራሕ ኣልቦ ንዝጸንሑ ሰባት ዕላማ ብምግባር ዝተበገሰ “ምጅማር ሓድሽ ስራሕ” ዝበሃል ውጥን እዩ። መራሒት መርመራ ቤት ጽሕፈት ኦዲት ይቮን ቶርሰን፡ ኣስራሕቲ ንሓደ ሰብ ከም ዝቖጽሩ ኣምሲሎም ነቲ ናይ ድጎማ ገንዘብ ንባዕሎም ጥራይ ዝሕዝሉ ናይ ሓሶት ምቚጻር ስራሕ ክገብሩ ተኽእሎ ከም ዘሎ ኣተሓሳሲባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com