Saturday , May 4 2024

ዶባት ግሪክ ብዘይ ሽወደን ን 29 ሃገራት ክፉት ኮይኑ።

ካብ ዕለት 15/06/2020 ጀሚሩ ዶባት ግሪክ ንበጻሕቲ ናይ 29 ሃገራት ክፉት ክኸውን እዩ። ሽወደን ግን ኣብ ዝርዝር ናይተን ሃገራት ክመዘየላ TT ሓቢሩ።

ዝርዝር ኣስማት ናይተን ሃገራት ንደኒማርክ፡ ኖርወይ፡ ፊንላድ፡ ጀርመን፡ ኣውስትሪያ፡ ኤስቶንያ፡ ላትቪያን ሉትዌንያን ዘጠቓለለ ኮይኑ ስለምንታይ ስም ሽወደን ኣብቲ ዝርዝር ዘየለ ዝሕብር ዝኾነ ዓይነት ወግዓዊ መግለጺ የለን።

መንግስቲ ግሪክ፡ ንዝርገሐ ለበዳ ኮሮና ንምክትታል ካብቶም ናብ ሃገሩ ዝመጹ በጻሕቲ ሃንደበታዊ (Random) መርመራ ኮሮና ንምክያድ ቅምሶታት (Sample) ክውሰድ ከምዝኽእል ሚኒስተር ቱሪዝም ግሪክ ሓቢራ።

ጽላት ቱሪዝም ኣብ ግሪክ ከም ቀንዲ ምንጪ ኣታዊ ናይታ ሃገር እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ኣስታት 33 ሚልዮን ሰባት ናብ ግሪክ ከምዝበጽሑ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com