Sunday , May 5 2024
German Chancellor Olaf Scholz (John Thys, Pool Photo via AP) VLM451

ጀርመን፡ ንመደብ ግዴታዊ ክታበት ተወንዝፍ

መንግስቲ ጀርመን፡ ክታበት ናይ ኮሮና ቫይረስ ግዴታዊ ዝገብር መምርሒታት ከም ዘወንዘፈቶም ገሊጻ። እቲ ምኽንያት ድማ እቲ ናብ ውሳኔ ንምብጻሕ ኣጸጊሙሎም ዘሎ እቲ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ዘሎ ናይ ሞራል ፍልስፍና ዘስዓቦ ሰፊሕ ክትዕ ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብ ባይቶ ጀርመን ምኽትል መራሒ ጉጅለ ሶሻል ዲሞክራተና ዝኾነ ደሪክ ወይዝ ጠቒሱ ጋዜጣ በርሊን ታጌስፒገል ከምዝበሎ፡ እቲ ክርክር ክሳብ መጀመርታ ርብዒ ናይዚ ዓመት ክቕጽል ከምዝኽእል ትጽቢት ከምዘሎ እዩ ዝሕብር። እቲ ምስቶም ሶሻል ዲሞክራተና ብልፍንቲ መንግስቲ ዝመርሕ ዘሎ ግሪን ፓርቲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ውድብ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ቀዳማይ ክትዕ ኣብ መጀመርታ ጥሪ ክካየድ ከምዝኽእል እዩ ግምቱ ኣንቢሩ ዘሎ።
ቅድም ክብል መንግስቲ፡ ኣብ መጀመርታ ናይ ወርሒ ጽድያ ኣብ ውሳኔ ክብጻሕ ተስፋ ከምዝነበሮ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
እተን ውድባት፡ እቶም ኣባላት ናይቲ ባይቶ፡ ሕልኖኦም ከምዝመርሖም ብዘይዝኾነ ይኹን ቀየድቲ ሕግታት ናይ ውድባት፡ ከድምጹ ኣብ ስምምዕ በጺሐን ከምዘለዋ ተገሊጹ’ሎ።
ልዕሊ 70 ሚእታዊ ናይቲ ህዝቢ ክትባት ከምዝወሰደ ዝግመት ኮይኑ፡ ልዕሊ 40 ሚእታዊ ድማ እቲ 3ይ እብረ ከምዝወሰዱ ይፍለጥ’ዩ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com